ብመሰረት ጸብጻብ ሬድዮ ኤኮት ዝበዝሑ ስደተኛታት ተመሃሮ ንግዜያዊ ሕጊ ገንዘባዊ ሓገዝ CSN “ፍትሓዊ ኣይኰነን” ብምብል ተቓውሞኦም ገሊጾም ኣለዉ። እቲ ጸብጻብ ተመሃሮ ካብ CSN ዝረኽብዎ ገንዘብ ኣብ ግምት ዘእቱ ኣይኰነን ወሲኹ ገሊጹ። እዚ ገንዘብ ቀዋሚ መንበሪ ንኽፍጽሙ ዘየኽእል ውሑድ መጠን ምዃኑ ድማ ኣመልኪቶም ኣለዉ።
እዚ ሕጊ ተመሃሮ ብውሑዱ ክልተ ዓመታት ናይ ስራሕ ውዕል ክኣትዉ ዝገብር እዩ። በዚ ድማ ዝብዝሑ ካብ ትምህርቶም ብምቊራጽን ቀዋሚ መንበሪ ንምርካብን ናብ ሸቕሊ ዕዮ ክኣትዉ ዝገብር እዩ። እታ ሬድዮ ምስ ተመሃራይ ሕክምና ዮቶበሪ ሳራ ሪዝቅ ቃለመጠይቅ ጌራ ኔራ። ሳራ ሓንቲ ካብቶም በዚ ምኽንያት ትምህርታ ከተቋርጽ ዝተገደዱ ተመሃሮ እያ። ንሳ “እዚ ፍትሓዊ ኣይኰነን” ክትብል ድማ ነቲ ሬድዮ ገሊጻ’ላ። እታ ሬድዮ ንሚኒስተር ኢሚግሬሽን ሞርጋን ጆሃንሰን ኣብዚ ጒዳይ ርእይቶ ክህብ ሕቶ ምቕራባ እንተኾነ ንሱ ግዜ ስእኑ ሓበሬታ ክህባ ዘይምኽኣሉ ጠቒሳ’ላ።