ሎሚ ንግሆ ሓደ ፖሊስ ብገበን ንዝድለ ሰብ ናይ መርመራ ጒዳይ ወዲኡ ናብ ቤቱ ከባቢ ግሪቲታን እናኣተወ ብስሕለት መጥቃዕቲ ከም ዝበጽሖ ተገሊጹ። እቲ ሰብኣይ ብቕጽበት ማዕጾ እቲ ቤት ምዕጻዉን ብርክት ዝበሉ ፖሊስ ነቲ ቤት ከም ዝኸበብዎን ተፈሊጡ። እዚ ኣብ ክሊ ዕድመ 30ታት ዝርከብ ሰብኣይ ኣብ ሰነዳት ፖሊስ ሽወደን ፍሉጥ ስም ከም ዘለዎ’ውን ተመልኪቱ’ሎ።
“ፖሊስ ዝወረዶ ምንም ኣካላዊ ማህሰይቲ የለም” ክብል ኣፈኛ ፖሊስ ስቴፋን ዊክበርግ ገሊጹ’ሎ። እዚ ገበነኛ ብዘይካ ስሕለት ካልእ ኣጽዋር ኔርዎዶ ኣይነበሮን ኣብ ዝብል ፖሊስ ተወሳኺ መብርሂ ክህቡ ኣይደለዩን። እቲ መንበሪ ቤት ኣድላዪ እንተኾይኑ ሰይሮም ክኣትዉዎ ምዃኖም እውን ፖሊስ ኣተንቢሆም ኣለዉ።