ኣብ ሽወደን፡ ኣስታት 177 ሽሕ ህጻናት፡ ሓደ ካብ ወለዶም ብዕዳ ዝተታሕዘ ምኻኑ በዓል መዚ ክሮነፎግደን ሓቢሩ ክብል ማዕከን ዜና ተተ ኣቃሊሑ።
እዚ ድማ ካብቲ ኣብ ቅድሚኡ ዝነበረ ዓመተ፡ ብ 3% ዝውሕድ እካ እንተኾነ፡ ሓደ ካብ 12 ህጻናት ኣብ ዝተዓድየት ስድራቤት ዝዓቢ ምኻኑ እቲ ጸብጻብ ገሊጹ።
ይኹን እምበር፡ እቲ መጠን ብዝሒ ካብ ምምሕዳር ናብ ምምሕዳር ዝተፈላለየ እዩ። ኣብ ሎማ ዝተባህለ ኣከባቢ፡ ስድራ ቤት ናይ ሓደ ካብ 60 ህጻናት፡ ኣብ ዕዳ ዝኣተዉ ክኾኑ እንከለዉ፡ ኣብ ምምሕዳራት ዳንድሪድ፡ ቴበ፡ ሃማሮን ሃቦን ዝተሓተ ቁጽሪ ስድራቤቶም ኣብ ዕዳ ካብ ዘለዉ ህጻናት ካብ ዝኾና ምምሕዳራት ኮይነን ኣለዋ።
ኣብ ዩዝነሽባሪ (Ljusnarsberg) ድማ ሓደ ካብ ኣርባዕተ ህጻናት፡ ስድራቤቱ ኣብ ዕዳ ዘለዉ እዮም። ኣብ ምምሕዳራት ፔሪስቶርፕ፡ ግሩምስ፡ ኺኒስካተቤሪን ብዩቭን ድማ እቲ መጠን ናይቶም ስድራ ቤቶም ኣብ ዕዳ ዘለዉ ህጻናት ዘለዓለ ምኻኑ እቲ ጸብጻብ ሓቢሩ።