እዛ ዕድመ ልክዕ ክትእሰር እተፈርደት እስርቲ ናብ ገምገም ባሕሪ እናኸደት ጽባቐ ባሕሪ ከተስተማቕር ዕድል ክወሃባ እባ ወግዓዊ ሕቶ ኣቕሪባ ኔራ። እቲ ቤት ፍርዲ ነዚ ሕቶ ዝነጸገሉ ምኽንያት ምስ ጸጥታ ዝተሓሓዝ ምዃኑ ብምምልካት ከተምልጥ ትኽእል እያ ኢሉ ከም ዝሰግእ ኣፍሊጡ’ሎ። ዮሃና ሙለር ኣብ 2017 ኣቡኣ ቀቲላ ኣዲኣ’ውን ክትቀትል ብምፍታና ኢያ ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ከም እትኣቱ ተጌሩ።
ኣብዚ እዋን ዕድመ ልክዕ ማእሰርቲ ተፈሪዳ ኣብ ይስታድ ቤት ማእሰርቲ ደቀንስትዮ ፍርዳ ትቕበል ምህላዋ ተገሊጹ። እዛ 44 ዝዕድሚኣ እስርቲ ኣቐዲማ ብርክት ዝበሉ ሕቶታት ናብ ኣገልግሎት ማእሰርቲ ምቕራባን ኲሎም ከም እተነጽጉን ዝፍለጥ ኮይኑ ሕቶኣ ናብ ምምሕዳር ማልም ምዝዋራን ኣብኡ’ውን ሕቶኣ ከም እተነጽገ እዩ ዝግለጽ ዘሎ።