ናይ ተሳፈርቲ መካይን ብማእከል እታ ኣብ ምምሕዳር ስኮና እትርከብ ቁሸት፡ ፋርሆልት፡ ብፍጥነት ከምዝሓልፋ እዩ ዝንገር። ስለዝኾነ ድማ ፒተር ዮራንሰን (69 ዓመት) ብውልቁ 400 ታቤላታት ምልክታት ትራፊክ ኣብታ ቁሸት ሰቒሉ ምንባሩን ትማሊ ሓሙስ ድማ ፡ፖሊስ ትራፊክ፡ ሕጋዊ ፍቓድ የብሉን ብምባል ንብምልኡ ከምዘውረዶ SVT ሓቢሩ።
ትማሊ ሰሉስ፡ ዮራንሰን ምስ ጎረባብቱ ኮይኑ ነቶም ልዕሊ ፍቑድ ፍጥነት (40 ኪሎ ሜተር ኣብ ሰዓት) ዝሕምበቡ መራሕቲ መካይን ንምጽላው ብምባል ኣማኢት ታቤላታት ከምዝሰቐሉ ተፈሊጡ ኣሎ። እዘን ምልክታት ኣብ
ኣብ ቀረባ እዋን ኣብ ልዕሊ ደማሙን ጤሌቤዱታትን ናይ ትራፊክ ሓደጋ ብብዝሒ ክረአ ጸኒሑ። ንሕና ውን ናእሽቱ ቆልዑ ስለዘለውና ናብ ጎደናታት ክወጹ እንከለዉ ብጣዕሚ እዩ ዘሰክፈና። ፖሊስ ትራፊክ፡ ነቶም ኣዋንታዊ ጽልዋ ክፍጥሩ ዝጸንሑ ዝሰቐልናዮ ታቤላታት ምውራዱ ግን ከይገረመና ኣይተረፈን ክብል ዮራንሰን ገሊጹ።