ኣብ ክሊ ዕድመ ኣርብዓታት ዝርከብን ምቕማጡ ኣብ ከተማ ካልማር ደቡብ ሽወደን ዝኾነን ሓደ ሰብኣይ ኣብ ዓመታት 2017-18 ካብ ሓደ ዱካን ክሳብ 12 ሽሕ ዝበጽሕ ቲኬታት ሎተሪ ብምስራቑ ተኸሲሱ።
ፖሊስ ኣብ ቤቱ ዝገበርዎ ተፍቲሽ ኣሽሓት ቲኬታት ፋሕ ኢሉ ከም ዝጸንሖምን ገሊኡ ድማ ኣብ ቦርሳ ተሰኒዱ ምርካቦምን ገሊጾም ኣለዉ። እቲ ሰብኣይ ግና ነቲ ክሲ ኣሉታ ብምሃብ ካብ እንዳ ጎሓፍ እየ ኣኪበዮም ክብል ቃሉ ሂቡ’ሎ።