ኣማኑኤል ሳህለ
ከምቲ ኣብ ዝሓለፈ ጽሑፋተይ ደጋጊመ ዝጠቐስኩዎ፡ እዛ ዓለምና ናብቲ ዝሓይለን እተጣበበን እያ እተዳሉ። እዚ ደመነፍሳዊ (instinct) ሕጊ ድማ ኣብቲ ባህርያት ፍጡራት ኣትዩስ ንነዊሕ ዘበናት ኣብቲ ዘገምታዊ ምዕባሌኦም ሓጊዙዎም እዩ።
ኣታኽልትን እንስሳታትን ሰብን ከም ፍጡራት መጠን፡ ካብዚ ሕግዚ ከምልጡ ኣይክእሉን። ኣታኽልቲ ብኣእሻኾም፡ እንስሳታት ብኣቕርንቶምን ብኣጽፋሮምን ብኣስናኖምን፡ ብሕንዞምን፤ ሰብ ድማ በቲ ዝሰርሖ ናይ ኲናት መሳርያታት፤ ኩላቶም ነብሶም ኪዕቅቡን ኪከላኸሉን፡ ካብኡ ሓሊፉ ድማ ዘይናቶም ኪምጥሉን ኪዘርፉን ወዘተ. ድሕር ኣይብሉን እዮም። እዚ ኩሉ ዚገብሩዎ፡ ነብሶም ንምዕቃብን፡ ዘርኦም ንምትሕላፍን፡ ኣብዛ ዓለም ድማ ዓሌቶም ንምርግጋጽን እዩ።
ሊቃውንቲ ሳየንስ ከም ዚብሉዎ፡ እቲ ብፍጡራት ዚካየድ ውግእ፡ ብፍላይ ኣብ እንስሳታት፡ መብዛሕትኡ ግዜ ኣብ ምርግጋጽ ደረጃ ስልጣንን (hierarchy)፡ ኣብ ምድላይ ጾታዊ ዝምድናን ኣብ ምሕላው ናይ ሃድን ወይ ናይ መገሃጫ ቦታን (territorial imperativ) እተመርኮሰ እዩ።
ከም ኣብነት፡ ሽደን ኣንበሳ ንውሰድ። ንኣኡ ኣብቲ ናይ ኣንበሳ ጉጀለኣዊ ናብራ ምስ እንርእዮ፡ ካብ ግዜ ናብ ግዜ ነቶም ኣራእሶም ሓፍ ሓፍ ዘብሉ ነኣሽቱ ኣናብስ ብጽፍዒትን ብጎበጣን ብምፍርራህ ልክዕ ቦታኦምን ደረጃኦም የትሕዞም፡ ኣብቲ ጉጅለ ድማ ሰላም ይሰፍን። ነተን ዘይእዘዛ ዋዕሮታትውን ከምኡ።
ብድሕርዚ፡ ኣብቲ ብሽንቱ ኾነ ብኻልእ መገዲ ዝኸለሎ ሕዙእ ቦታኡ፡ ዝኾነ ዓይነት እንስሳ ብጌጋ ይኹን ብፍላጥ ምስ ዚኣቱ፡ ተቓሊሱ ኪቐትሎ ወይ ከህድሞ ኣለዎ። ምኽንያቱ፡ እቲ ቦታቲ ሕዙእ ናይ ጉጅለኡ ናይ ሃድን ቦታን ናይ ሞትን ሕየትን ሕቶ ድማ ስለ ዝኾነ።
ነተን ዋዕሮታቱ ደልዮም ዚመጹ ኣናብስ እንተ ኣለዉ እውን ክሳዕ ሞት ኪቃለስ ኣለዎ። ዘርኡ ማለት ናይ ባዕሉ ዘርኢ ንዚመጽእ ወለዶ ንኸሕልፍ ብማለት፡ ደማዊ ግጥም ንምክያድ ድሕር ኣይብልን እዩ።
እቶም በላዕቲ ሳዕሪ እውን ተመሳሳሊ ኣካይዳ እዩ ዘለዎም።
እቲ ዘገርም ግን፡ ገለ ዓይነት ጻጸ፡ ብኣሽሓት ዚቝጸሩ ብናይ ወትሃደራት ሰልፊ ተሰሪዖም፡ ናብ ካልእ ናይ ጻጸ ቦታ ከይዶም ውግእ ኪገጥሙ ኸለዉ ምርኣይ እዩ። ገለ ዓሌት ኣህባይውን ብጉጅለ ኾይነን ኣንጻር ካልኦት ጉጀለ ኣህባይ ይገጥማ እየን። እቲ ብሊቃውንቲ ዚውሃብ ምኽንያት ብዙሕ እኳ እንተ ኾነ፡ ዘይሩ ዘይሩ ግን እቲ ግጭትን ባእስን ናብ ርእሰ-ምዕቃብን ዘርእኻ ናብ ምትሕልላፍን ዝኣመተ እዩ።
ንኣታኽልቲ ወይ መንግስቲ ቡቕሊ ብዚምልከት፡ ንሳቶም ኪንቀሳቐሱ ስለ ዘይክእሉ፡ እቲ ነንሓድሕዶም ዚገብሩዎ ኲናት፡ ኣብ ናይ ጸሓይ ጩራ ምድላይ (ንኻልኦት ኣንጸላሊኻ ንበይንኻ ጸሓይ ምቕባልን ብፎቶሲንሰሲስ ጌርካ ምግቢ ምስራሕን)፡ ኣብ ናይ ጥቓኻ ዘሎ ማይ ሰቲኻ ወዲእካ ነቲ ብጻይካ ተኽሊ ምቕታልን (ከም ቀላሚጦስ)፡ ነቲ ኣብ ጥቓኻ ዘሎ ተኽሊ ተጠምጢምካ ምቕታልን ባዕልኻ ነቲ ቦታ ምብሓትን፡ ወዘተ ዘተኮረ እዩ።
ይኹምበር፡ ኣታኽልቲ ወይ መንግስቲ ቡቕሊ፡ እቲ ዚፍጽሙዎ ተግባር፡ ዘርኦም ንምዕቃብ ዚምችእ ምስ ዚኸውን፡ ናይ ሰላም መገዲ እውን ይመርጹ እዮም። ንኣብነት፡ ገለ ኣታኽልቲ ምስ ካልእ ኣታኽልቲ እንካ ሃባ ብዚመስል ኣገባብ ተሳንዮም ዚነብሩ ኣለዉ። ንኣብነት፡ እቲ ሓደ ነቲ ሓደ ካብ ብርቱዕ ጸሓይ ንምክልኻል ጽላል ይገብረሉ፡ እቲ ሓደ ድማ ካብ ባልዕ ይከላኸለሉ ወዘተ……
ኣብ ሰብ እውን እቲ ኣብ ምውድዳርን ምዕብላልን እተመርኮሰ ኲናት ኩሉ ግዜ ድጉልን ድሉውን እዩ። በዚ ኸኣ ካብ ናይ እንስሳ ብዙሕ ዚፍለ ኣይኮነን።
እምበኣር እዚ ባህርያትዚ እዩ ንወድሰብ ክሳዕ ለይተሎሚ ናብ ኲናትን ህውከትን ከም ዚጓየ ዚገብሮ ዘሎ። እንታወይቲ መንግስቲ እያ ወትሃደራት ዘይብላ? ወይ ድማ ገዚፍ ናይቲ ዓመታዊ ባጀታ ኣብ ምክልኻል ዚብል ምስምስ ዘይትስልዖ? ኣየነይቲ ሃገር እያ መሳርያታታ ኣብ ዓዓመት ዘይተሐድሶን ዝያዳ ሰብ ዚቐትለላ ንምፍራይ ድማ ዘይትፈላሰፍን?
ኣብ ማእከላይ ዘበን፡ ኣብ ኤውሮጳ፡ ቅዱስ ኲናት (ብልዕለ-ተፈጥሮ እተዋህበ ናይ ኲናት ትእዛዝ ወይ ድራኸ) ዚብሃል ኣምር ተኣታትዩ ነይሩ። እዚ ኸኣ ኣንጻር እቶም ንሃይማኖት ክርስትና ከራኽሱ ወይ ከበላሽዉ ዚደልዩ ዝነበሩ ጸላእትን መናፍቓንን ዝዓለመ እዩ ነይሩ። ይኹንምበር፡ ብዝኾነ ይኹን መምዘኒ፡ ኲናት (ርእሰ-ምክልኻል እንተ ዘይኮይኑ) ዝኾነ ዓይነት ምኽንዩነት ኪወሃቦ ኣይክእልን። ስለዚ ኲናት ብሰብ ደኣምበር ብላዕሊ ወይ ብመናፍስቲ እተዋህበ ትእዛዝ ኪኸውን ኣይክእልን።
ውግእ ናይቲ ኣብ ዓለም ዝተኻዕበት ናይ ምውድዳርን ምዕብላልን (survival of the fittest) ባህርያት ነጸብራቕ እዩ። ሰላምን ርግኣትን ተጻዋርነትን ግን ናይቲ ብምስትውዓልን ብህየሳዊ ትንተናን ዚኽሰት ኩነት እዩ። እቲ ቀዳማይ ውዒሉ ሓዲሩ ናብ ጥፍኣት እዩ ዘምርሕ፡ እቲ ካልኣይ ግን ኣብዛ ምድሪ ነቲ ናይ ወድሰብ ህይወት ኪዕቅቦ ዚኽእል እንኮ ኣማራጺ እዩ።
ውግእ የሎን ማለት፡ ሰላም ነጊሱ ማለት ከም ዘይኮነ ግን ብቐዳምነት ኪፍለጥ ይግባእ። ሰላም ናይ ውግእ ዘይምህላው ኩነት ዘይኮነስ ነፍሱ ዝኸኣለ ስነ-ልቦናዊ መካኒዝም ዘለዎ መስርሕ እዩ። እዚ ድማ ነቲ ኣብ ልብኻ ዚካየድ ኲናት ወይ ጽልኢ ደው ብምባል እዩ ዚኽሰት።
ኲናት ኣብ ልብኻ ደው ንኺብል፡ ናይ ኣተሓሳስባ ለውጢ ኪህልወካ ይግባእ። ሓደ ካብኡ ድማ፡ ወድሰብን እንስሳታትን ኣታኽልትን ብዩኒቨርሳላዊ መገዲ እተኣሳሰሩ ከም ዝኾኑን ምንጮም ሓደ ምዃኑን ምእማን እዩ። በዚ ኣተሓሳስባ እዚ ምስ እትጎዓዝ፡ ንዝኾነ ፍጡር ክትቀትል ወይ ክትጎድእ ከሎኻ፡ ንክፋል ነብስኻ ትጎድእ ወይ ትቐትል ዘሎኻ ኮይኑ ኢዩ ዚስመዓካ።
ብኸምዚ ምሕሳብ ድማ፡ ቅድሚ ስጉምቲ ምውሳድካ ንሕልናኻ ንኽትሰምዕን ካልእ ኣማራጺ ንኽትደልን የኽእለካ።