ኣብ ምምሕዳር ከባቢ ዮንሾፒን፡ ዝርከብ ኣገልግሎት ህዝባዊ ጥዕና፡ ብጻዕቂ ሕሙማት ኮሮና ተጨኒቑ ስለዘሎ፡ ኣንጻር ለበዳ ኮሮና ተባሂሉ ኣቐዲሙ ዝተበጽሐ ንኣባላት ኣገልግሎት ህዝባዊ ጥዕና ዝምልከት ስምምዕ ኣብ መድረኽ ትግባረ ከብጽሕ ከምዝተገደደ ተሓቢሩ።
ምምሕዳር ከባቢ ዮንሾፒን፡ ኣንጻር ለበዳ ኮሮና ተባሂሎም ክውሰዱ ዝግበኦም ስጉምታት ብምልኦም ድሕሪ ምውሳዱ፡ ኣብዚ ሕጂ በጺሑ ዘሎ መድረኽ ንኽበጽሕ ተገዲዱ ኣሎ። እቲ ዝውሰድ ስጉምቲ፡ ነቶም ኣባላት ህዝባዊ ጥዕና ዝምልከት ኮይኑ፡ ተወሳኺ ክሳብ 48 ሰዓታት ክሰርሑን ከምኡ ውን ኣብ ክፍሊ ህጹጽ ሬድኤት ዝሰርሑ ድማ ተወሰኽቲ ሰዓታት ክሰርሑ፡ ዓስቢ ናይቲ ሰዓታት ድማ ተወሳኺ ክፍሊት ክኽፈሉ እዮም።
ኣቐድም ኣቢለን፡ ሓሙሽተ ምምሕዳራት ሽወደን፡ ከምዚ ዓይነት መድረኽ ምብጽሐን ዝፍለጥ ኮይኑ፡ ንሳተን ድማ፡ ምምሕዳር ስቶክሆሎም፡ ቬስትራዮትላንድ፡ ያቭልቦሪ፡ ስኮናን ኡፕሳላን ምንባረን ይዝከር። ይኹን እምበር፡ እቲ መድረኽ ተበጺሑ’ኳ እንተኾነ፡ ክሳብ ሕጂ፡ ብግብሪ ዝተፈጸመ ክፍሊት ከምዘየለ ተሓቢሩ።