ጓል 14 ዓመት ህጻን፡ ሄልያ፡ ኣብ ሽወደን ዓሰርተ ዓመታት ተቐሚጣ እኳ እንተኾነት፡ ስድራኣ ዘቕረብዎ ሕቶ ዑቕባ፡ ብኣገልግሎት ኢሚግሬሽን ሽወደን ስለዝተነጽገ፡ ናብ መቦቆል ዓዶም፡ ኢራን፡ ክምለሱ ምዃኖም ዝሕብር ውሳነ ተዋሂብዎም ኣሎ። ሬድዮ ሽወደን ንስቅያት እዛ ዝበዝሐ ዕድሜኣ ኣብ ሽወደን ዝተቐመጠት ህጻን ኣመልኪቱ ሓደ ጻብጻብ ኣዳልዩ ኣሎ።
ኣብ ሽወደን እየ ተማሂረን ዓብየን። ቋንቋ ፐርሺያ ኣይፈልጥን እየ፡ ኣብ ኢራን ክቕመጥ እኽእል እየ ዝብል ስምዒት እውን የብለይን ክትብል፡ ሄልያ፡ ትገልጽ።
ኣገልግሎት ኢሚግሬሽን፡ ሕቶ ዑቕባ ኣብ ዝርእየሉ እዋን፡ ንዓለም-ለኻዊ ስምምዕ መሰል ህጻናት ኣብ ግምት ከእቱ ብምባል ድማ ንቀዳማይ ሚኒስተር፡ ስቴፋን ሎቪን፡ ደብዳቤ ምጽሓፋ ትገልጽ።
መንግስቲ፡ ንኹነታታ ዝርዳእ እኳ እንተኾነ፡ ውሳነ ሓጋጊ ኣካልን ኢሚግሬሽንን ንኽቕይር መሰል ከምዘይብሉ ዝገልጽ፡ ካብ ቤት ጽሕፈት ቀዳማይ ሚኒስተር ከም ዝመጸት እትኣምና ደብዳቤ ከምዝበጻሓ ትገልጽ።
ኣብ ኦሬብሮ ትነብር ሄልያ፡ መሰላ ኣብ ግምት ዘይኣተወሉ ምኽንያት ዜጋ ሽወደን ብዘይምዃና፡ ብምምልካት እዚ ውዕል ንመሰል ኩሎም ህጻናት ዘሕሉ ክኸውን ከም ዝግባእ ካብ ውድብ መሰል ደቂ ሰብ፡ ሎቪሳ ስትራንድ፡ ገሊጻ።
ኣድላይ ሰነዳት ደንጉዩ ናብቲ ትካል ብምብጽሑ፡ እዚ ኣሉታዊ ውሳነ ክውሰን ከም ዝኸኣለ ድማ ተፈሊጡ ኣሎ።