ኣብ 17 ታሕሳስ 2019 ዝወጸ ሓበሬታ። ንዜግነት ኖርዌይ ሕቶ ከተቕርብ መደብ እንተሎካ ክሳብ ለካቲት 3 2020 ዘሎ ግዜ ክትጽበ ለበዋና ነቕርብ። ካብታ ዝተጠቕሰት መዓልቲ ኣትሒዝና ሓድሽ ቅጥዒ ኣፕሊኬሽን ኣብ መርበብ ሓበሬታና ከነተኣታቱ መደብ ከም ዘሎና ክንሕብረካ ባህ ይብለና። ካብ ባሕቲ ጥሪ 2020 ጀሚሩ ድርብ ዜግነት ፍቑድ ክኸውን እዩ። እዚ ሓድሽ ቅጥዒ ናብ ፖሊስ ወይ ኤምባሲ እትልእኮ ሰነዳት ዝገልጽን ንኽትመልኦ ቅልል ዝበለን እዩ ክኽውን።
ካብ ሰብመዚ ኖርዌይ ዘድሊ ሓበሬታ ካብ ሎም ጀሚርካ ክትእክብን ብዝወሓደ ሰነዳት ክሰልጠካ ክትጅምሮን ንላበወካ። ነቶም ኣቐዲሞም ዜጋትት ኖርዌይ ዝነበሩሞ ዜግነቶም ብኻልእ ዝለወጡ ወይ ዝጸንሐ ዜግነቶም ኣብ ውሽጢ ዝተቐመጠ ናይ ግዜ ሰሌዳ UDI ዘይጠንጠኑ ፍልይ ዝበለ ቅጥዒ ከነዳሉ ኢና። ገሊኡ ቅጥዕታት ክሳብ ሳመር 2020 ብቐጥታ ክተውርዶ ዝከኣል እዩ። UDI ድማ ነዚ ሕቶታት ክርእዮ ክጅምር እዩ። እዚ ነቶም ሓድሽ ፎርም ዝጥቀሙ ዝውዕል እዩ።
ኣውቶማቲክ መስርሕ መመያ ማለት ኖርዌጃዊ ዜጋ ክትከውን ወይስ ከይትኸውን ብዘይ ሰራሕተኛ ጒዳይ ብኮምፕዩተር ጥራይ ዝግበር መመያ እዩ። በዚ ኣገባብ ኣቐድም ኣቢልካ መልሲ ክትረክብ ትኽእል ኢኻ። ጒዳይካ ክንጸግ ተኽእሎ ዘለዎ እንገመሲሉ ሓደ ካብ ሰራሕተኛታትና ደጊሙ ክርእዮ ዝግበረሉ ኣገባብ ኣሎና። እቲ መልሲ እትጽበየሉ ግዜ ቅድሚ ድሕሪ ካቲት እንተእቲኻዮ ዝሓጸረ እዩ ክኸውን። ስለዚ ሕቶ ዜግነት ንምእታው መደብ እንተሎካ ነቲ ዝድለ ረቛሒታት ብምእካብ ካብ ሕጂ ምድላው ክትጅምር ትኽእል ምዃንካ ንሕብረካ።