ብዓለም ደረጃ፡ ካብ ደቂኣንስትዮ ንላዕሊ፡ ዝውለዱ ደቂተባዕትዮ ይበዝሑ። ን100 ደቂኣንስትዮ 107 ደቂ-ተባዕትዮ ይውለዱ። ምኽንያት ናይዚ ክገልጹ እንከለዉ ተመራመርቲ፡ ምስ ልዑል መጠነ-ሞት ደቂ-ተባዕትዮ ኣብ ግዜ ውሊድን ናጽላነትን የተኣሳስርዎ።
ኣብ ዓለም፡ ቁጽሪ ሞት ህጻናት ደቂ-ተባዕትዮ ካብ ናይ ደቂ-ኣንስትዮ ብ25% ይዓቢ።
– ብዓለም ደረጃ፡ ደቂ-ኣንስትዮ፡ ካብ ደቂ-ተባዕትዮ ንላዕል ነዊሕ ዕድመ ይነብራ። ገምጋም ዕድመ ደቂ-ተባዕትዮ 64.52 ዓመታት ክኸውን እንከሎ፡ ናይ ደቂ-ኣንስትዮ ከኣ 68.76 ዓመታት ይበጽሕ።
– ዓቐን ሓንጎል ደቂ-ተባዕትዮ ካብ ናይ ደቂ-ኣንስትዮ ብ10% ይዓቢ። እቲ ምኽንያት ከኣ ደቂ-ተባዕትዮ ግዙፍ ኣቃውማ ኣካላት ብምህላዎም እዩ። የግዳስ ኣብ ብቕዓት ስራሕ ናይ ክልቲኦም ማዕረ እዩ።
– ዳርጋ ኣብ ኩለን ሃገራት ዓለምና ካብ ዝካየዱ ነብሰ-ቅትለታት፡ እቲ ዝበዝሐ ናይ ደቂ-ተባዕትዮ’ዩ። ብፍላይ ኣብ ከም በዓል ሩስያን ብራዚልን፡ እቲ ተርእዮ ልዕሊ ሽድሽተ ዕጽፊ ደቂ-ኣንስትዮ ከም ዝዀነ እዮም ተመራመርቲ ዝገልጹ።
– ካብ ጠቕላላ ናይቶም ኣብ ሕብራት መንግስታት ኣመሪካ ዝነብሩ 151 ሚልዮን ደቂ-ተባዕትዮ፡ እቶም 64.3 ሚልዮን ኣቦታት እዮም።