ሎሚ ሰኑይ ኣብ ሓያሎ መዓርፎ ነፈርቲ ሽወደን ክካየድ ተሓሲቡ ዝነበረ ኣድማ ተሰርዙ። እዚ ውጥን ክስረዝ ዝተገብረ ኣብ መንጎ
ማሕበር ሰራሕተኛታት መጓዓዝያ ሽወደንን ኣካል ኢንዱስትሪ ኣልመጋ ዝኾነ ኲባንያ ድሕነትን ኣብ ምምሕያሽ ደሞዝን ፖሊሲታት
ኣብ ስምምዕ ድሕሪ ምብጽሖም እዩ። እዚ ኣድማ ከምቲ ዝተወጠኖ ተኻዪዱ እንተዝነብር መዓርፎ ነፈርቲ ስቶክሆልም፡ ዮተበሪን
ማልምን ብኣሉታ ምተጸልዋ ኔረን። እዚ ስምምዕ ካብቲ ዝደልይዎ ብገለ መዳይ ጎደሎ እንተኾነ ዓብይ እፎይታ ከም ዝፈጠረሉ
ኣቦመንበር ማሕበር ሰራሕተኛታት መጓዓዝያ ሽወደን ቶሚ ቭሪድ ገሊጹ’ሎ። ንሱ “ዋላኳ ከምቲ እንደልዮ መጠን ኣይዂን ናይ
10% ወሰኽ ደሞዝ ክግበረልና ኣብ ስምምዕ ብምብጻሕ ሎሚ መኸተምታ ጌርናሉ ኣሎና” ክብል ን ሬድዮ ሽወደን ገሊጹ’ሎ።
እቲ ኣድማ ንሰራሕተኛታት ጸጥታ መዓርፎ ነፈርቲ’ውን ከም ዘሳትፍ ኮይኑ እዩ ተወጢኑ ኔሩ። በዚ ድማ ኣብ መዓርፎ ነፈርቲ
ስቶክሆልም፡ ዮተቦሪን ማልሞን ክስዕብ ዝኽእል ዝነበረ ምዝባዕ ደው ከም ዝብል ተጌሩ’ሎ።