ሚኒስተራት ጒዳያት ወጻኢ ናይ ልዕሊ 40 ሃገራት: ኣብ ኣፍሪቃ እናስፋሕፍሐ ዝመጸ ዘሎ ስግኣት ዳዕሽ (IS) ዛዕባ ጌረን ንምዝታይ ሎሚ ሰኑይ ኣብ ሮማ ክጋብኣ እየን ተባሂሉ።
ዳዕሽ ዋላኳ ኣብ ሶርያን ዒራቕን ተሳዒሩ ነቲ ቦታታት እንተገደፎ: ኣብ ኣህጒር ኣፍሪቃ (ብፍላይ ድማ ኣብ ምዕራብ ኣፍሪቃ) ሰፊሕ ጽልዋ የሕድር ምህላዉ ቀንዲ ዛዕባ እዚ ዋዕላ ምዃኑ ተገሊጹ’ሎ።
ዳዕሽ: ዓብዪ ስግኣት ሰላምን ምርግጋእን ማእከላይ ባሕሪ ምዃኑ እያ ትገልጽ– ጣልያን።
ብሪጣንያ ብወገና: ኣብ ሃገራት ምዕራብ ኣፍሪቃ ቻድ: ካሜሮንን ናይጀርያን ዝንቀሳቐስ ምስ ዳዕሽ ኪዳን ዝኣተወ ግብረሽበራዊ ሓይሊ ንምድምሳስ ተወሳኺ ገንዘብ ከተውፍር ምዃና ሓቢራ’ላ።