ልዕሊ ሚእቲ ኢትዮጵያውያን ኣባላት ሰራዊት ዓቃብ ሰላም ውድብ ሕቡራት ሃገራት ነበር: ኣብ ሱዳን: ፖለቲካዊ ዕቚባ ከም ዝሓተቱ UN ኣመልኪቱ።
ንሳቶም ኣባላት ናይቲ ኣብ ቀረባ እዋን እተዓጽወ ተልእኾ UN ኣብ ሱዳን እዮም ኔሮም። ተጋሩ ኣባላት እዚ ዓቃብ ሰላም: ኣቐድም ኣቢሎም እውን ኣብ ዓዶም መንግስታዊ ግፍዒ ንኸይወርዶም ፖለቲካዊ ዕቚባ ሓቲቶም ምንባሮም ይዝከር። ንዝሓለፋ ሽዱሽተ ኣዋርሕ: ኣብ ትግራይ ይካየድ ኣብ ዘሎ ኲናት: ገዚፍ ምግሃስ ሰብኣውነት ከም እተፈጸመ ጸብጻባት የመልክቱ።
ኣብ ኢትዮጵያ ብሰንኪ ኣብ ክልል ትግራይ ዝካየድ ዘሎ ግጭት: ዓለታዊ ጎነጽ እናነሃረ ምምጽኡ ተገሊጹ።
ኣብ ወርሒ ለካቲት ኣብ ደቡብ ሱዳን ዝነበሩ: ተጋሩ ኣባላት ዓቃብ ሰላም ሰራዊት UN: ኣብ ዓድና እንተ ተመሊስና: ብሰንኪ መንነትና: ግፍዒታት ክወርደና እዩ ብምባል ኣብ ደቡብ ሱዳን ዕቚባ ምሕታቶም ዝዝከር እዩ።
ኣብ መዓልቲ ፋስጋ: ፓርትያርክ ኦርቶዶክስ ትዋህዶ ቤተክርስትያን ኢትዮጵያ: ኣብ ትግራይ ኣብ ልዕሊ ንጹሃት ዝግበር ዘሎ ግፍዒን መርሸንቲን ቅሉዕ ተግባር ምጽናት ዓሌት እዩ: ክብሉ ገሊጾም ምንባሮም ይዝከር።