![Europe Migrants](https://www.harmonymedia.se/wp-content/uploads/2021/05/sdl40KHhgrk4RQ-nh-scaled.jpg)
ትማሊ ሰንበት: ኣብ ናይ ሰዓታት ፍልልይ ሓደ ሽሕ ዝኾኑ ስደተኛታት ከም ዝኣተዉ: ጸብጻባት ውሽጣዊ ሚድያ ዓዲ ጥልያን ገሊጾም።
ሓንቲ ጃልባ ጥራይ ክሳብ 400 ሰብኡት: ደቀንስትዮን ቆልዑን ጽዒና ምንባራ: ኣንሳ ዝተባህለ: ኣገልግሎት ዜና ኢጣልያ ሓቢሩ። ካልኦት ጀላቡ እውን ኣብ ማልታ ከም እተራእያን ናይ ርድኡና ጥሩምባ ከም ዘስምዓን ተገሊጹ።
ከንቲባ እታ ደሴት: ቶቶ ማርቴሎ: ምምጻእ ስደተኛታት ምስ ጽቡቕ ኲነታት ኣየር ከም ዝሳነ ገሊጹ’ሎ።
ካብ ዝሓለፈ ዓመት ጥራይ: ክሳብ 11ሽሕ ዝኾኑ ስደተኛታት: ኣብዛ ደሴት ምብጽሖም ጸብጻብ ቢቢሲ ይሕብር።
ላምፔዱሳ: ናብ ኣውሮጳ ክኣትዉ ዝደልዩ ስደተኛታት: ዝሓልፉላ ደሴት ምዃና ይፍለጥ።