ቤት ጽሕፈት ግብሪ ሽወደን ንልዕሊ 1.2 ሚልዮን ዝኾኑ coordination numbers ተባሂሎም ዝፍለጡ ፍሉይ ኣገልግሎት ዝህቡ ኣብ መንግስቲ ሽወደን ዝተመዝገቡ ቁጽሪታት እንደገና ከምዝመርመረ ኣፍሊጡ ክብል ማዕከን ዜና ተተ ሓቢሩ።
እቲ ውጽኢት ከምዘርእዮ ድማ፡ 612,566 ቁጽሪታት ኣገልግሎት ዘይብሎም ክኾኑ ከለው 357,487 ዝኾኑ ጥራሕ እቲ ግቡእ ኣገልግሎት ዝህቡ ከምዝተረኸቡ እዩ ክፍለጥ ተኻኢሉ።
ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ኣብ ወርሒ ሰነ እዩ እቲ ቤት ጽሕፈት ናይ ግብሪ ልዕሊ ሓሙሽተ ዓመት ዝጸብሑ ቁጽሪታት ንኸጻፍፍ ሓላፍነት ተዋሂቡዎ ክሰርሕ ዝጸንሐ። ከምዝዝፍለጥ፡ እዞም ቁጽሪታት ንዘይተገበአ ኣገልግሎት ክውዕሉ ከምዝግበሩ ዝፍለጥ እዩ፥ ንኣብነት ግብሪ ዘይክፈሎም ስራሓት ዝኣመሰሉ በዞም ቁጽሪታት ኣቢሎም ንትምነያን ካልኦት ናይ ወንጀል ተግባራትን መፈጸሚ ከምዝኾኑ እዩ ክፍለጥ ተኻኢሉ።
“ሕጂ ንገብሮ ዘለና ነገር እንተሎ፡ ነቲ በዞም ቁጽሪታት ኣቢሉ ዝፍኖ ዝነበረ ዘይሕጋዊ ዋሕዚ ናይ ገንዘብ ምንጪ ናይቶም ወንጀለኛታት ክደርቕ ምግባር እዩ” ክብል ሚኒስተር ናይ ቁጠባ ሚካኤል ዳምበሪ ንስቨንስካ ዳግብላደት ነቲ ኣብ ቤት ጽሕፈት ግብሪ ሽወደን ነዞም ቁጽሪታት ንምጽራይ ክተኣታቶ ዝግብኦ ለውጥታት ብምጥቋም ዝገለጸ።
እዞም coordination numbers ተባሂሎም ዝፍለጡ ቁጽሪታት ከም ናይ ማሕበራዊ ናይ ሚስጥር ቁጽሪ ናይ ሽወደን ዝመስሉ ኾይኖም ኣብ ሃገረ ሽወደን ንሓጺር ግዜ ጥራሕ ንዝነብሩ ውልቀ-ሰባት ዝዋሃቦም ንሓጺር እዋን ዘገልግሉ ፍሉይ ጥቕሚ ዘለዎም ቁጽርታት እዮም።