ኣብዚ ወቕቲ ጽድያ ኣብ ሽወደን ኣብ ዝርከባ ዩኒቨርሲቲታት ኣመልኪቶም ናይ ትምህርቲ ዕድል ዝረኸቡ ሰባትን ዝከታትልዎ ዓይነት
ትምህርትን ኣመልኪቱ ትማል ሓበሬታ ተዘርጊሑ’ሎ። ብድምር 305 ሽሕ ተመሃሮ እዚ ዕድል ረኺቦም ኣለዉ፡፡ ካብዚኦም ልዕሊ
59 ሽሕ ትምህርቶም ብእንግሊዝኛ፥ እቶም ዝተረፉ ኸኣ ብቋንቋ ሽወደን ክከታተሉ እዮም ተባሂሉ’ሎ። ዝበዝሑ ናይ ትምህርቲ
ዕድል ዝረኸባ ደቀንስትዮ እየን። ብጠቕላላ 192 ሽሕ ደቀንስትዮ፥ 112 ሽሕ ከኣ ደቂተባዕትዮ ምዃኖም ሮቢን ዮሃንሰን ካብ
ቆንስል ላዕለዋይ ትምህርቲ ሽወደን ገሊጹ’ሎ። ዝበዝሑ ተመሃሮ ዝመርጽዎ ትምህርቲ ሕጊን ሜዲስንን ምንባሩ ዮሃንሰን ወሲኹ
ገሊጹ’ሎ። ኣብቶም ብእንግሊዝኛ ዝወሃቡ ትምህርቲታት ከኣ ቢዝነስን ስነ-ቊጠባን ዝበዝሐ ጠለብ ኔርዎም። ዝበዝሑ ናይ
ደረጃ ማስተርስ ትምህርቲታት ብእንግሊዝኛ ዝወሃቡ ኮይኖም ኣህጒራዊ ዝምድናታት (International Relations) ዝበዝሐ
ተጠላብነት ኣለዎ። ዝበዝሑ ኣመልከትቲ ካብ ሃገራት ኣውሮጳዊ ሕብረት ወጻኢ ኮይኖም ብፍላይ ድማ ካብ ፓኪስታን፥ ጋና፥
ናይጀርያን ሽሪላንካን እዮም።
"ብእንግሊዝኛ ካብ ዝወሃብ ናይ ቀዳማይ ዲግሪ ትምህርቲ እቲ ዝበዝሐ ተፈታውንት ዘለዎ ኣብ ዩኒቨርሲቲ ሉንድ ዘሎ ዓለምለኻዊ
ንግድ (International Business) እዩ" ክብል ዮሃንሰን ኣጠቓሊሉ’ሎ።