ኣልዩ ኮስያ ኣብ ላይበርያ ኣብ ዝተገብረ ውግእ ሕድሕድ ገበናት ኲናት ብምፍጻሙ ወንጀለኛ ኮይኑ ከም ዝረኸቦ ቤት ፍርዲ ስዊዝ ገሊጹ።
ኣብ ላይበርያ ኣብ ዓመታት 1989-2003 ኣብ ዝነበረ ውግእ ሕድሕድ ርብዒ ሚልዮን ዝኾኑ ሰባት ክቕተሉ እንከለዉ ኣሽሓት ድማ ካብ ዓዶም ከም እተፈናቐሉን ዝፍለጥ እዩ።
ስዊትዘርላንድ: ብመሰረት ንኣድማሳዊ ፍትሒ ዘለዋ ናይ መትከል ቅዋም: ከቢድ ገበናት ከም ዝፈጸሙ ጥርጠሩ ሰባት ኣብ ዓዳ ናይ ሕጊ መስርሕን ፍርዲን ተካይድ እያ።
46 ዝዕድሜኡ ኮስያ ኣብ እዋን ውግእ ሕድሕድ ላይበርያ ኣዛዚ ሰራዊት እዩ ኔሩ። ምስቲ ብሓጂ ክሮማ ዝምራሕ ውድብ ውሁድ ምንቅስቓስ ንሓርነትን ዴሞክራሲን ላይበርያ ኮይኑ ኣንጻር ቻርለስ ተይለር ኣብ ዝገብሮ ዝነበረ ቅልስ 13 ንጹሃን ሲቪላውያን ብግፍዒ ቀቲሉ፥ ሓንቲ ሰበይቲ ተጋሲሱ፥ ብተደጋጋሚ ንብረት ህዝቢ ራስዩ ከምኡውን ቆልዑ ወተሃደራት ይኸትብ ኔሩ ዝብል ክሲታት ቀሪብሉ ወንጀለኛ ኮይኑ ከም እተረኽበ ቢቢሲ ሓቢራ።
ኮስያ ኣብ 2014 ካብ ሃገሩ ሃዲሙ ኣብ ስዊትዘርላንድ ዕቚባ ሓቲቱ ምንባሩ ኣብቲ መጋባእያ ተጠቒሱ’ሎ።
እዚ ብመሰረት እቲ ስዊትዘርላድ ኣብ 2011 ዘውጽኣቶ ሕጊ ዝተፈጸመ ፈላማይ ፍርዲ እዩ ተባሂሉ’ሎ።
ኮስያ ብዝፈጸሞ ቕትለትን ምዕማጽ ደቀንስትዮን ን 20 ዓመታት ማእሰርቲ ተፈሪዱ’ሎ። ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ዘሕለፎ ሽዱሽተ ዓመታት ኣብዚ ፍርዲ ክጠቓለል እዩ ተባሂሉ’ሎ።