ዳኛ ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ብራዚል፡ ፕረዚደንት’ታ ሃገር፡ ኻየር ቦልሶናሮ፡ ንዝቕጽል ምርጫ ብዝምልከት፡ ዓሎቕ ይፍጽም ኣሎ ብዝብል ክሲ፡ ኣብ ትሕቲ መርመራ ንኽኣቱ ኣዚዙ ከምዘሎ ተፈሊጡ ክብል ማዕከን ዜና ተተ ሓቢሩ።
እቲ ዝካየድ መርመራ፡ ቦልሶናሮ፡ ኣብ ልዕሊ ስርዓተ ምርጫ’ታ ሃገር፡ ብመንገዲ መራኸቢ ብዙሃን ኣቢሉ ዝፈጸሞ መጥቃዕቲ፡ ገበናውን ንናይ ብራዚል ዲሞክራሲ ዝፈታትንን ድዩ ኣይኮነን ንምርግጋጽ ዝካየድ መርመራ እዩ። በዓል መዚ ምርጫ ብራዚል ብወገኑ፡ ንተግባራት እቲ ፕረዚደንት፡ ይምርምር ከምዘሎ ይፍለጥ።
ኣቐድም ኣቢሉ፡ ቦልሶናሮ፡ ንስርዓተ ምርጫ’ታ ሃገር፡ ክወቅስ ምጽንሑን ንኻልኣይ ግዜ ንኽምረጽ ድማ ኣብ ልዕሊ እቲ በዓል መዚ፡ ወቐስኡን ነቐፌታቱን መጥቃዕትታቱን ኣጽዒቑ ከምዘሎ፡ ምንጭታት ይሕብሩ።