ኣብ ካቡል ዝርከብ ኤምባሲ ሽወደን ዝሰርሑ ዝነበሩ ኣፍጋኒስታናውያን፡ ናብ ሽወደን ክኣትዉ ከምዝተገብሩ ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ሽወደን፡ ኣን ሊንደ፡ ኣብ ናይ ትዊተር ሒሳባ ገሊጻ ክብል ማዕከን ዜና ተተ ሓቢሩ።
ኩሎም እቶም ኣብ ኤምባሲ ሽወደን ዝሰርሑ ዝነበሩ ኣፍጋኒስታናውያን፡ ምስ ስድራ ቤቶም፡ ናብ ሽወደን ከምዝኣተዉ፡ ሊንደ፡ ገሊጻ።
ምስቶም ትማሊ ረቡዕ ካብ ካቡል ዝኣተዉ 227 ሰባት ሓዊስካ፡ ብድምር 771 ሰባት ናብ ሽወደን ኣትዮም። ንሳቶም ድማ፡ ናይቲ ከባቢ ሰራሕተኛታትን ጉጅለ ዝርዝር ሽወደናውያንን ምዃኖም፡ ሊንደ፡ ሓቢራ።
ኣብ ኣፍጋኒስታን፡ ቁጽሪ ናይቶም ኣብ ጉጅለ ዝርዝር ሽወደናውያን ዝርከቡ ሰባት፡ ኣብ ሓጺር እዋን ካብ 20 ናብ 500 ሰባት ከምዝበጽሐ ይፍለጥ። ኣብ ጉጅለ ዝርዝር ሽወደናውያን፡ ዝርከቡ ሰባት፡ እቶም ናይ ሽወደን ፓስፖርትን መንበሪ ፍቓድ ሽወደንን ዘለዎም ሰባት እዮም።
ናይቲ ከባቢ ሰራሕተኛታት ዝበሃሉ ድማ፡ እቶም ኣብ ኤምባሲ ሽወደን ዝሰርሑ ዝነበሩ ኣፍጋኒስታናውያንን እቶም ክሳብ 2014 ምስ ሓይልታት ሰራዊት ሽወደን ዝሰርሑ ዝነበሩ ኣፍጋኒስታናውያን ተርጎምትን ዝሓዘለ ጉጅለ እዮ።