ወዲ መዋቲ ፕረዚደንት ሊብያ ነበር፡ ሙዓመር ቀዛፊ ዝኾነ፡ ሳይፍ ኣል ኢስላም፡ ኣብቲ ዝመጽእ ወርሒ ዝካየድ ፕረዚደንታዊ ምርጫ ሊብያ ሕጹይ ኮይኑ ከም እተመዝገበ ተገሊጹ።
ኣብ 2011 ሙዓመር ቀዛፊ ካብ ስልጣን ድሕሪ ምእላዩ፡ ሃገረ ሊብያ፡ ኣብ ዕግርግር እትያ ምህላዋ ዝፍለጥ ኮይኑ፡ ኣድመጽቲ ብኣግኡ እዚ ኣብ ታሕሳስ 24 ዝካየድ ምርጫ ናጻን ፍትሓዊን ክኸውን እዩ ዝብል እምነት ከም ዘይብሎም ይገልጹ ምህላዎም እቲ ዜና ወሲኹ ገሊጹ።
እዚ እናኾነ ዋና ጸሓፊ ውድብ ሕቡራት ሃገራትን ሓያላት ሃገራትን ንውጽኢት እዚ ምርጫ ክዕንቅፍ ዝፍትን ሓይሊ እገዳ ክጸዓኖ ምዃኑ ኣጠንቂቖም ኣለዉ።