ትማሊ ሰሉስ፡ ኣብ ልዕሊ ኣመሓዳሪ ማእከላይ ባንክ ሊባኖስ፡ ሪያድ ሳላመሕ፡ እገዳ ጒዕዞ ከም እተጻዕነ ተፈሊጡ።
ጽቡቕ ኣብ ዝዓዪ ዝነበረ ቊጠባ ሊባኖስ፡ ብዙሕ ዝነኣድ ዝነበረ እዚ በዓልመዚ፡ ኣብዚ እዋን ብዘይሕጋዊ ምትሕልላፍ ገንዘብ፡ ምጥፍፋእ ገንዘብ ህዝቢን ሓዊስካ ብሓፈሻ ብዘይ ስነምግባራዊ ኣታሕዛ ገንዘብ ይኽሰስ ኣሎ።
መርትዖታትና ኣኪብና ስለዘሎና ጽባሕ ሓሙስ ንመርመራ ክቐርብ እዩ፥ በዚ መርመራ ኣቢልና ከነጻርዮ እንደልዮ ጒዳያት ኣለዉ ክብል ንጒዳይ ሳመሕ ክከታተል ዝጸንሐ ዳኛ፡ ቓዳ ዖን፡ ንኣልጀዚራ ገሊጹ’ሎ።
ሳላመሕ ኣብ ሊባኖስ ከምኡውን ፈረንሳን ስዊትዘርላንድን ሓዊስካ፡ ኣብ ሃገራት ኣውሮጳ፡ መርመራ ይካየደሉ ኣሎ።
ሳላመሕ ብወገኑ፡ እዚ ኣብ ልዕሊኡ ቀሪቡ ዘሎ ክሲታት፡ ፖለቲካዊ ምዃኑ ብምግላጽ፡ መሰረት ዘይብሉ ውጹእ ጠቐነ እዩ ክብል ክሒድዎ’ሎ።