ለበዳ ኮሮና፡ ኣብ ብርክት ዝበላ ሃገራት ኣብ ልዕሊ ትካላት ክንክን ጥዕና ጎነጽ ንኽብርክት ምኽንያት ኮይኑ ምህላዉ፡ ኣህጒራዊ ቆንስል ነርስታት፡ ኣህጒራዊ ኮሚተ ቀይሕ መስቀል፡ ኣህጒራዊ ፈደሬሽን ሆስፒታል ከምኡ’ውን ኣህጒራዊ ማሕበር ሕክምና ብጥምረት ኣብ ዘካየድዎ መጽናዕቲ ኣመልኪቶም።
ኣብ ብርክት ዝበላ ሃገራት፡ ሰብመዚ ጥዕና፡ ተሓከምቲ ከምኡውን መሳለጥያ ሕክምናን ኣምቡላንስን ናይ መጥቃዕቲ ግዳያት ይኾኑ ኣለዉ ዝበለ እቲ መጽናዕቲ፡ እዚ ድማ ምስ ምኽሳት ለበዳ COVID-19 ብፍላይ ተጋዲዱ ከም እተራእየ ኣመልኪቱ።
ድሕሪ ምጅማር እዚ ለበዳ፡ ኣብ ትካላት ጥዕና ዝግበር ጎነጽ ኣዝዩ ምዕባዩ እዚ ሕቶ ዝቐረበሎም 60% ብእወታ ምምላሶም እቲ መጽናዕቲ ሓቢሩ’ሎ። እዚ እናኾነ፡ ሰብመዚ ጥዕና ነዚ ጎነጽ ንምንካይ ዘኽእሎም ዕዉት ኣቀራርባ ተጠቂሞም እዮም–ብመሰረት እቲ መጽናዕቲ። ኣብ መንጎ ሰብመዚ ጥዕና፡ ተሓከምቲ ከምኡ’ውን ዝበዝሑ ፈጸምቲ እዚ ጎነጽ ዝኾኑ ስድራቤት ተሓከምቲ ጥቡቕ ዝምድናን ምርድዳእን ምፍጣር ኣዝዩ ኣገዳሲ እዩ ተባሂሉ’ሎ።
ኣብ ትካላት ጥዕና ዝወርድ ዘሎ ጎነጽ ኣቓልቦ ከም ዝረክብ ምግባር ካብኡ ሓሊፉ’ውን እዘን ትካላት ሓለዋ ክረኽባሉ ዝኽእላ ሕጋዊ ድጋፍ ምርካብን ዘላቒ ፍታሕ ምንዳይን ሓደ ዕላማ እዚ ዳህሳስ ምዃኑ እቲ መጽናዕቲ ኣመልኪቱ’ሎ።