ብምኽንያት ዓመታዊ ዕረፍቲ ነርስታት ካብ ሆስፒታላት ብምብኳሮም ሆስፒታላት ሽወደን ብሕጽረት ነርስታት ኣብ ቅልውላው ምህላዉ ተገሊጹ። በዚ ምኽንያት እቶም ኣብ ስራሕ ዘለዉ ነርስታት ካብቲ ልሙድ ንንውሕ ዝበለ ሰዓታት ይሰርሑ ኣለዉ ተባሂሉ። “እዚ ኣካይዳ ንጥዕና ሕሙማት ይኹን እቶም ዝኣልይዎም ነርስታት ጽቡቕ ኣይኮነን” ብምባል ማሕበር ክንክን ጥዕና ሽወደን ኣጠንቂቑ።
ብዙሓት ነርስታት ነዊሕ ሰዓታት ክሰርሑ ብምግዳዶም ኣደዳ ጭንቀትን ድኻምን ይኾኑ ኣለዉ ዝበለ እቲ ጸብጻብ ኣብ መንጐ ሓደጋን ንውሓት ስራሕን ርክብ ምህላዉ ብምጥቃስ መጠንቀቕታኡ ኣመሓላሊፉ’ሎ። ገለ ኣውራጃታት ሽወደን ነዚ ቅልውላው ንምውጋድ ኣብ ኣዋን ዓመታዊ ዕረፍቲ ደምዝ ነርስታት ከም ዝውስኻ ይፍለጥ።