ቁጽሪ ናይቶም ብቫይረስ ኮሮና ዝተለኽፉ ሰባት ምውሳኹ ኮለጅ ህዝባዊ ጥዕና ሆላንድ ኣረጋጊጹ። ኣብዚ ሰሙን ጥራይ፡ 978 ሰባት ከምተለኽፉን እዚ ድማ ዕጽፊ ናይቲ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ዝተመዝገበ ቁጽሪ ምዃኑ ሆላንዳዊ ሕክምናዊ ምንጭታት ሓቢሮም።
ሰሙናዊ ጸብጻብ ብዝምልከት ትማሊ ሰሉስ ብመንገዲ ዩሮኒውዝ (EURONEWS) ዝተቓልሐ ከምዝሕብሮ፡ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን፡ ሽውዓተ ሰባት ብሰንኪ ሕማም ኮቪድ-19 ከምዝሞቱ እኳ እንተተሓበረ፡ እቲ ቁጽሪ ካብዚ ዝለዓለ ክኸውን ከምዝኽእል ብዙሓት ሸረኻት ዝሰማምዕሉ እዩ።
ኣብ መላእ ሆላንድ፡ ዝተፈላለዩን ናእሽቱን ምንጭታት ሕማም ኮቪድ-19 ንኸይፍጠሩ ኮለጅ ህዝባዊ ጥዕና ሆላንድ ኣጠንቂቑ።
ብሰንኪ ቅልውላው ኮሮና ቆይሞም ዝነበሩ መብዛሕትኦም ናይ ምውሻብ ቀይድታት ካብ ወርሒ ሓምለ ጀሚሮም ከምዝፎኸሱ ይዝከር። ይኹን እምበር፡ ኮለጅ ህዝባዊ ጥዕና ሽወደን፡ ንኣገዳስነት ማሕበራዊ ምርሕሓቕ፡ ኢድ ምሕጻብ፡ ኣብ ገዛ ኰንካ ምስራሕን ምልክታት ሕማም ምስ ዝረኣየካ ድማ መርመራ ምግባርን ዝኣመሰሉ መምርሕታት ንኽትግበሩ ኣዘኻኺሩ።
ኣብ ሆላንድ፡ ቁጽሪ ናይቶም ብሰንኪ ሕማም ኮቪድ-19 ዝሞቱ ሰባት፡ 6100 ምብጽሑ ጸብጻባት ይሕብሩ።