ሓደ
ካብ ጽቡቕ ባህሊ ጃፓናውያን፡ ብሕጊ ተቐይድካ ምኻድን ምክብባርን’ዩ። ጃፓን ኣብ ትምህርቲ ልዑል ወፍሪ ብምግባር፡ ካብ ሓንቲ ብኲናት ዝዓነወት ሃገር ናብ መሳርዕ ምዕቡላት ሃገራት ተሰሪዓ እያ። ማእከላት ትምህርቲ ጃፓን ኣካዳሚያዊ ኣፍልጦ ጥራይ ዘይኮነ፡ ተማሃራይ ክብርታት ሕብረተ-ሰቡ ዝቐስመለን ማእከላት’የን። ኣብ’ታ ሃገር ካብ ቅድሚ 10ታት ዓመታት ዝጀመሩ፡ ከም ልምድን ባህልን ዝሰረጹ መዓልታዊ ንጥፈታት በቶም ተማሃሮ ይካየዱ እዮም።
መማህራን ጃፓን፡
ኣብ ሕብረተሰቦም ልዑል ክብሪ እዩ ዝዋሃቦም። ሞያ ምምህርና’ውን፡ ብቐሊል ዘይርከብን ረዚን ሓላፍነት ዘሰክምን’ዩ።
ርክብ ተማሃሮን መማህራንን፡ ካብ መምሃሪ ክፍሊ ክሳብ ስድራ-ቤታት ዝበጽሐ’ዩ። መማህራን ናብ ኣባይቲ ተማሃሮኦም ብምኻድ፡ ንዝሓመሙ ኣብ ምብጻሕን ምምሃርን ኣበርክቶ ይገብሩ። ኣብ መባእታን ማእከላይን ደረጃ ዝምህሩ ድማ ንኵነታት ጽሬትን ኣመጋግባን ኣደቓቕሳን ህጻናት ተማሃሮኦም ይከታተሉ።
ስርዓተ-ትምህርቲ
ጃፓን፡ መንፈስ ሓላፍነትን ሓይሊ ውህደትን ኣብ መንጎ ተማሃሮ ዘስርጽ’ዩ። ተማሃሮ ሓላፍነት ምክንኻንን ምዕቃብን ኣብያተትምህርቶም ይስከሙን፡ መዓልታዊ መደባት ጽሬት የካይዱን።
ተማሃሮ ተፈዲሶም ናብ ገዛኦም ቅድሚ ምኻዶም፡ ንመምሃሪ ክፍሎምን ቀጽሪ ቤት-ትምህርቶምን፡ ዓይኒ ምድርን ብግቡእ ኣጽርዮም ይፍደሱ። ኣብ ዝተወሰኑ መዓልታት ኣብ ከባቢኦም ወፈራ ብምክያድ፡ ከባቢኦም የጽርዩ። ኣብ ኣብያተ-ትምህርቲ ሰራሕተኛታት ጽሬት ስለ ዘየለዉ፡ ዕብይ ዝበሉ ተማሃሮ ንጥፈታት ጽሬት ክዓሙ እንከለዉ፡ እቶም ብዕድመ ንእስ ዝበሉ ድማ ሓላፍነት ምምጋብ እቶም ኣብ ቀጽሪ ኣብያተ-ትምህርቲ ዘለዉ እንስሳታት ዘቤት ይስከሙ። “ኣብ መንገድኻ ይኹን ኣብ ቀጽሪ ቤት-ትምህርትኻ ዝጸንሓካ ጕሓፍ፡ ከየልዓልካዮ ኣይትኺድ”፡ “ስም ቤትትምህርትኻ ዓቅብ” ዝብሉ ጽሑፋት ኣብ መናድቕ ኣብያተ-ትምህርቲ ተለጢፎም ይረኣዩ።
ግዜ
ትምህርቲ ካብ ሰዓት 8፡00 ናይ ንግሆ ክሳብ 4፡00 ናይ ድ.ቐ ብምዃኑ፡ ተማሃሮ መግቦም ኣብ ውሽጢ ቤት-ትምህርቶም እዮም ዝምገቡ። ብጉጅለታት ብምምዳብ፡ ከም ኣሳሰይትን ንዝተመገቡሉ ብያቲ ኣብ ምልዓልን ምሕጻብን ይነጥፉ።
ኣብ ምዝዛም ትምህርቲ፡ እቶም ተማሃሮ ካብ ክፍሎም ቅድሚ ምውጻኦም፡ ተኣኪቦም ንዝተላዕሉ ግርጭታት ኣብ ምፍታሕን ምዝታይን ናይ ፍርቂ ሰዓት ግዜ ኣላቶም።
ጃፓናውያን፡ ጻዕሪ
ልዕሊ ተውህቦ ምዃኑ እዮም ዝኣምኑ። ስለ’ዚ፡ መብዛሕትኡ እዋን “ዝከኣለኒ ክገብር’የ” “ኣይሾከንሜ ያሪማጹ” “ብትግሃት ክሰርሕ’የ” “ጋንባሪማጹ” ዝብሉ ቃላት ይደጋግሙ። ዓወት፡ ብመሰረት እቲ ዝተዋህባ ጻዕሪ ከምእትመጽእ ኣበርቲዖም ይኣምኑ። “ዮኖቶ ጎራኩ” ኣርባዕተ ሰዓታት ድቃስ ዓወት፡ ሓሙሽተ ሰዓታት ድቃስ ፍሽለት” ዝብል ብሂል ስለ ዘለዎም፡ ልዕሊ ኣርባዕተ ሰዓታት ኣይድቅሱን እዮም።
ተማሃሮ
መገያየጺታትን ከም ኣዝማልቶን ቲንታን ክገብሩ ኣይፍቀዶምን’ዩ። ፍሉይ ቅዲ ኣቀማቕማን ኣተሓሕዛን ጸጉሪ ክኽተሉ ይግደዱ።
ተማሃሮ ንመማህራኖም፡ ሓፍ ብምባል ሰጊዶም ይቕበሉዎም። ኣብ ቀጽሪ ቤት-ትምህርቲ፡ ሞባይል ምጥቃም ኣይፍቀድን’ዩ።
ናይ
ቤት-ትምህርቲ ድቪዛ ምርሳሕን ምቕዳድን፡ ዘየድሊ ኣሳእልን ጽሑፍን ምንባር ኣብ ልዕሊኡ ካልእ ክዳን ምኽዳን ክልኩል’ዩ። መምህር ኣብ ዘብኵረሉ እዋን፡ ነቲ ክፍሊ ዝምህሩ ተማሃሮ ኣለዉ።
ትሕቲ 18 ዓመት ዝዕድሚኦም ተማሃሮ፡ ድሕሪ ሰዓት 10፡00 ናይ ለይቲ በይኖም ኣብ ደገ ዘወን ክብሉ ኣይፍቀዶምን።