52 ዝዕድሜኡ ህንዳዊ ነጋዳይ፡ ነታ 27 ዝዕድሜኣ በዓልቲ ቤቱ ንምሕጓስ፡ ቅዳሕ መስጊድ ታጅ መሃል ሃኒጹላ።
እዚ ኣናንድ ፕራከሽ ቾክሴ፡ ዝተሰምየ ህንዳዊ ነዚ ህያብ ፍቕሪ ኢሉ ዝሰመዮ ኣብ ከተማ ቡርሃንፑር ኣውራጃ ማድያ ፕራደሽ እዩ ሃኒጽዎ። ንሱ “እዚ ህንጻ ብቐንዱ ንዘፍቅራ በዓልቲ ቤተይ ካብኡ ሓሊፉውን ንተቐማጦ እታ ከተማ እዩ” ክብል ን ቢቢሲ ገሊጹ’ሎ።
እዚ ህንጻ ንኽውዳእ ኣስታት 20 ሚልዮን ሩፒ (260 ሽሕ ዶላር) ወጻኢ ምሕታቱ እውን ወሲኹ ሓቢሩ’ሎ። ኣብ መበል 17 ክፍለ ዘመን እተሃንጸ ታጅ መሃል ኣብ ከተማ ኣግራ ዝርከብ ኮይኑ ብ ሃጸይ ሙጋል ዝነበረ ሻህ ጃሃን ከም እተሰርሐ መዛግብቲ ታሪኽ ይሕብሩ። ንሱ ኣዝያ ዝፈትዋ በዓልቲ ቤቱ፡ ሙምታዝ መሃል፡ ኣብ ሕርሲ ድሕሪ ምሟታ ኣዝዩ ብምሕዛኑ ንመዘከርታኣ ክኸውን እዩ ኣህኒጽዎ። እዚ ግርማኡ ዘህንን ብእምነበረድ ዝተሰርሐ ህንጻ፡ ሓደ ካብ ዓበይቲ መስሕባት ቱሪዝም እታ ሃገር ምዃኑ ዝፍለጥ ኮይኑ፡ ቅድሚ ለበዳ ኮሮና ኣብ መዓልቲ 700 ሽሕ ሰባት ይበጽሕዎ ምንባሮም ጸብጻባት የመልክቱ።