ኣብ ደቡብ ህንዲ ኣብ ዘይሕጋዊ ግጥም ደርሁ ዝተሳተፈ ደርሆ ዋናኡ ቀቲሉ ክትብል ቢቢሲ ሓቢራ ። እቲ ደርሆ ኣብ ኣእጋሩ ስሕለት ተኣሲሩሉ ከም ዝነበረ ዝገለጸ እቲ ሓበሬታ እቲ ደርሆ ከምልጥ ኣብ ዝገብሮ ዝነበረ ጻዕሪ ንዋናኡ ኣብ ከባቢ ፍረነብሱ ብምቚሳል ብዋሕዲ ደም ክመውት ጌሩ ኣሎ ኢሉ።
ፖሊስ ኣብዚ ግጥም ዝተሳተፉ 15 ካልኦት ሰባት ይደሊ ምህላዉ ገሊጹ’ሎ። እዚ ፍጻመ ኣብ ክልል ተላንጋና ሎቲኑር ኣብ ዝተባህለት ገጠር ኣብዚ ሰሙን ከም እተኸስተ እቲ ሓበሬታ ወሲኹ ኣመልኪቱ።
እቲ ደርሆ ንግጥም ድሉው ኣብ ዝግበረሉ ዝንበረ እዋን ከምልጥ ኣብ ዝገበሮ ዛዕሪ ንዋናኡ በቲ 7 ሰንቲሜትር ዝንውሓቱ ካራ ብምውጋእ ከም ዝቐተሎ ፖሊስ ኣረጋጊጾም ኣለዉ።
ኣብዚ ዘይሕጋዊ ጸወታ እተሳተፉ ሰባት ብ ቅትለት፥ ቊማርን ነዚ ጸወታ ብምክያድን ክኽሰሱ ምዃኖም ኣጃንስ ፍራንዝ ፕረስ ገሊጹ’ሎ።
ካብ 1960 ኣትሒዙ ቅልስ ደርሁ ኣብ ህንዲ ብሕጊ እኳ እንተተኸልከለ ኣብ ገጠራት እታ ሃገር ብብዝሒ ከም ዝዝውተር ይፍለጥ።