ሃገራዊ መዝሙር ኣውስትራልያ ዝያዳ ሓቛፊ ብዝኾነ መንገዲ ምምሕያሽ ከምዝተገብሮ ኣብ መዓልቲ ሓድሽ ዓመት ተሓቢሩ።
ኣብቲ ቅድሚ ሕጂ ዝነበረ “ንሕና ሓደሽቲ ንሕና ነጻ” ዝብል ዝነበረ ነቶም ንኣሽሓት ዓመታት ኣብቲ ሃገር ዝነበሩ ሰባት ስለዘየጠቃልል ብ”ንሕና ስሙራት ንሕና ነጻ” ብዝብል ከምተቀየረን እዚ ኸኣ ወላ እካ ከም ዘመናዊት ሃገር ኣውስትራልያ ሓዳስ ሃገር እንተኾነት ታሪኽ ሃገር ኣውስትራልያ ግን ንኣሽሓት ዓመታት ዝጸንሐ ምኻኑ ቀዳማይ ሚኒስተር ስኮት ሞሪሶን ኣብ ጋዜጣ ዘ ኢጅ ጽሒፉ።
ኣውስትራልያ ንኹሉ ምስ ኮሎኒያሊስታዊ ድሕረ ባይታ እታ ሃገር ዝነበረ ታሪኽ እንዳኣመሓየሸት ትኸይድ ዘላ ሃገር ምኻና ይፍለጥ።