ሃገራት ኤውሮፓዊ ሕብረት፡ ክሳብ እዚ እዋን፡ 300 ሚልዮን ብልቃጥ ክታበት ኣብ ጥቕሚ ከምዘውዓላ፡ ፕረዚደንት ኮሚሽን ኤውሮፓዊ ሕብረት፡ ኦርሾላ ቮን ደር ሌን፡ ኣብ ናይ ትዊተር ሒሳባ ገሊጻ ክብል ማዕከን ዜና ተተ ኣቃሊሑ።
ክሳብ ሕጂ፡ ን70% ናይቶም ልዕሊ ዕድመ ዝኾኑ ዜጋታት ኤውሮፓዊ ሕብረት፡ ዝኣክል ጸረ ኮቪድ-19 ክታበት ምቕራብና፡ ካብ መዓልቲ ናብ መዓልቲ፡ ሸቶና ንኽንወቅዕ ንቐርብ ከምዘለና ዝሕብር እዩ ክትብል፡ ኦርሾላ፡ ገሊጻ።
ይኹን እምበር፡ ካብቲ ናብ ኤውሮፓዊ ሕብረት ዝኣተወ 334 ሚልዮን ብልቃጥ ክታበት እቲ 285 ሚልዮን ብልቃጥ ክታበት ጥራይ ኣብ ጥቕሚ ከምዝወዓለን እዚ ድማ 51.4% ካብ ጠቕላላ ልዕሊ ዕድመ ዝኾኑ ዜጋታት ኤውሮፓዊ ሕብረት፡ እንተወሓደ ሓደ እብረ ክታበት ከምዝረኸቡን ምሉእ እብረ ክታበት ዝረኸቡ ድማ 27% ምዃኖም ኣብ ኤውሮፓዊ ሕብረት፡ ኣሃዱ ተመሓላለፍቲ ሕማማት (ECDC) ጸብጻቡ ኣቕሪቡ።