ኤውሮጳዊ ሕብረት፡ ንምስፍሕፋሕ ተቐያያሪ ዓሌታት ኮሮና ንምቁጽጻር ብዝምልከት፡ ሓባራዊ ዝኾነ መሰረታዊ መስርሕ ምክልኻል እንተዘይኣቚሙ፡ ኣብ ዶባት ሃገራት ኤውሮጳዊ ሕብረት፡ ናይ ምፍታሽ መስርሕ ክጅምራ ክግደዳ እየን ክትብል ቻንስለር ኣንገላ መርከል ገሊጻ።
ሃገራት ኤውሮጳዊ ሕብረት፡ ንምስፍሕፋሕ ተቐያያሪ ዓሌታት ኮሮና ንምቁጽጻር፡ በብዝጥዕመን እንተድኣ ክሰርሓ ኮይነን ናብቲ ናይ ቅድም ኣገባብ ምዕጻው ዶባት ክነምርሕ ክንክእል ኢና ክትብል ቅድሚ’ቲ ጽባሕ ዝካየድ ኣኼባ ኤውሮጳዊ ሕብረት፡ ገሊጻ።
ንሕና ነዚ ኣማራጺ ኣይንደልዮን ኢና። ብሰንኪ ካልኦት ሃገራት ከምዝጥዕመን ምስረሐን ግን፡ ግዳያት ናይ ለበዳ ክንከውን ኣይነፍቅድን ኢና ክትብል ወሲኻ ገሊጻ።
ብዛዕባ’ዚ ጉዳይ ኣመልኪታ፡ መርከል፡ ጽባሕ ኣብ ዝካየድ ኣኼባ ኤውሮፓዊ ሕብረት፡ ኩለን ሃገራት ዝጥቀማሉ ሓባራዊ ኣገባብ ከነናዲ ኢና ክትብል ሓሳብ ገሊጻ።