ኣርባዕተ ካብተን ኣብ 2020 ዝበዝሑ ሰባት ብሞት ዝቐጽዓ ሃገራት ካብ ዞባ ማእከላይ ምብራቕ ምዃነን ኣምነስቲ ኢንተርናሽናል ጸብጺቡ።
88% ካብቶም ኣብ 2020 ኣብ ዓለምና እተፈጸሙ ናይ ሞት ብይናት፡ ኣብ ኢራን፡ ዒራቕ፡ ስዑዲ ዓረብን ግብጽን ከም እተኸስቱ ጒጅለታት ሰብኣዊ መሰላት ክገልጻ ጸኒሐን ኣለዋ። እዘን ሃገራት ኣብ እዋን ለበዳ ኮቪድ-19 እውን ከይተረፋ “ምሕረት ኣልቦን ዘስካሕክሕን” ዝበሎ ናይ ሞት መቕጻዕቲ ይህባ ኔረን ዝበለ እቲ ጸብጻብ፡ እዚ ናይ 2020 ጸብጻብ ካብቲ ናይ ዝሓለፋ 10 ዓመታት ዝወሓደ ከም ዝኾነ ኣመልኪቱ።
እንተኾነ እዚ ቁጽሪ፡ ንኣሃዛት ቻይና ኣይጠቓልልን እዩ ንዝብል ኣስሚሩሉ ኣሎ። ቻይና ዓመታዊ ኣሽሓት ሰባት ብሞት እትቐጽዕ ሃገር እያ። እንተኾነ ግና ከምዚኦም ዝበሉ ፍጻመታት ብመንግስቲ ቻይና ብሚስጥር ስለ ዝተሓዙ እቲ ልክዕ ኣሃዝ ንምፍላጥ ኣሸጋሪ እዩ ክብል እቲ ጸብጻብ ወሲኹ ኣረዲኡ።
ኣብ 2019 ኣብ ማእከላይ ምብራቕን ሰሜን ኣፍሪቃን ብሞት እተቐጽዑ ሰባት ቊጽሮም 579 ኣብ 2020 ድማ 437 እዩ ክብል ኣምነስቲ ኢንተርናሽናል ሎሚ ረቡዕ ኣብ ዝፈነዎ ዓመታዊ ጸብጻብ መቕጻዕቲ ሞት ዝብል ድርሳን ገሊጹ’ሎ።