ኣብ ማሊ ዘሎ ፖለቲካዊ ዘይምርግጋእ ናብ ሚዛን እስላማዊ ጥሩፍነት እንድሕሪ ዝዘጥጥ መሲሉ፡ ፈረንሳ፡ ወተሃደራታ ካብ ማሊ ከተውጽእ ከም እትኽእል፡ ፕረሲደንት ፈረንሳ ኢማኔዌል ማክሮን፡ ኣጠንቂቑ።
ኣብ ዝሓለፉ ትሽዓተ ኣዋርሕ፡ ኣብ ማሊ፡ ንሳልሳይ ግዜ ዕልዋ መንግስቲ ከም ዝተኻየደን ኣንፈት ሃገረ ማሊ፡ ናብ ሕሉፍ እስላማዊ ጥሩፍነት ዘለዎ ኣካይዳ ንኸየምርሕ፡ ፕረዚደንት ማክሮን፡ ሻቕሎቱ ምግልጹ ጸብጻብ ኣልጀዚራ፡ ገሊጹ።
ንሱ ምስ ጋዜጣ Le Journal du Dimanche ኣብ ዝገብሮ ቃለመሕትት፡ ኣብ ሃገራት ሳሕል፡ ዴሞክራስያዊ ምስግጋር ስልጣን እንድሕሪ ዘይትግበር ኮይኑ፡ ፈረንሳ፡ ወተሃደራታ ካብቲ ዞባ፡ ጨሪሳ ክትስሕብ ከም እትኽእል ኣጠንቂቓ።
ፈረንሳ ንእስላማዊ ጥሩፍነት ዝቃለስ 5100 ሰራዊት ኣብ ዞባ ሳሕል፡ ኣዋፊራ ምህላዋ ዝፍለጥ እዩ። እዚ ሰራዊት፡ ካብ 2013 ኣትሒዙ መንግስታት ማሊ፡ ቡርኪና ፋሶ፡ ኒጀርን ሞሪታንያን ኣንጻር እስላማውያን ዝገብርዎ ቃልሲ፡ ደገፍ ንምሃብ ከም እተዋፈረ ዝተፈላለዩ ጸብጻባት የመልክቱ።