ኣብ ጒዳይ እቶም ካብ ቱርኪ እናተበገሱ ናብ ኣውሮጳ ክኣትዊ ዝፍትኑ ስደተኛታት ብዝምልከት፡ ኣብ መንጎ ግሪኽን ኤውሮጳዊ ሕብረትን ዓቢ ክትዕ ከም እተላዕለ ተገሊጹ።
ሃገረ ግሪኽ፡ መባእታዊ መሰላት ደቂ ሰባት ትግህስ ኣላ ዝብል ካብ ኣውሮጳዊ ሕብረት ንዝቐረበላ ክሲ ከም እትነጽጎ ሚኒስተር ስደተኛታትን ሓተቲ ዕቚባን ግሪኽ፡ ኖቲስ ሚታራኪ፡ ገሊጹ። ግሪኽ፡ ንሓተቲ ዕቚባ ብዘይሕጋዊ ኣገባብ ትሰጒግ ኣላ ንዝብል ክሲ ኣመልኪቱ ኸኣ “መሰረት ዘይብሉ ክሲ እዩ” ክብል ውዱቕ ጌርዎ’ሎ።
ካብ ቱርኪ እናተበገሱ ኣብ ኣውሮጳ ዕቚባ ዝሓቱ ስደተኛታት፡ ኣብ ግሪኽ ይግፍዑ ኣለዉ ዝብል ክሲ ብተጣበቕቲ ሰብኣዊ መሰላት ክቐርብ ምጽንሑ ዝፍለጥ እዩ።