ካብ ዕለት 01 ሓምለ ጀሚራ፡ ሃገረ ጀርመን፡ ኣፍደገኣ ንበጻሕቲ ክትከፍት ምዃና ብመንገዲ ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ፡ ሄይኮ ማስ፡ ገሊጻ ክብል ማዕከን ዜና ተተ ኣቃሊሑ።
ዜጋታት ናይተን፡ ኣብ ዝሓለፋ ሸውዓተ መዓልታት፡ መጠን መልከፍቲ ኮሮና፡ ኣብ መንጎ 100 ሽሕ ሰባት፡ ካብ 50 ክሳብ 200 ጥራይ ዝተለኽፉ ሰባት ዘለወን ሃገራት፡ ካብ ሓደገኛ ዞን ስለዝወጻ፡ ናብ ጀርመን ብዘይ ዝኾነ ቀይዲ ክኣትዉ ከምዝኽእሉ፡ መንግስቲ ጀርመን፡ ኣፍሊጡ ኣሎ። እንተ እቶም ዜጋታት ናይተን ኣብ ሓደገኛ ዝበሃል ዞን ዝርከባ ሃገራት ግን፡ እቲ ቀይዲ፡ ከም ቀደሙ ጸኒዑ ከምዘሎ፡ ጀርመን፡ ብተወሳኺ ገሊጻ።