ሃገረ ኖርወይ፡ ነቲ ኣብቲ ሃገር ዝተራእየ ምስፍሕፋሕ ለበዳ ኮሮና ንምቁጽጻር፡ ቀይድታት ኮሮና ኣተኣታትያ ምጽናሓ ይዝከር።
ኣቐድም ኣቢላ፡ ኖርወይ፡ ነቲ ኣንቢራቶ ዝጸንሐት ቀይድታት ኮሮና፡ በብቁሩብ እናገበረት ኣብ ኣርባዕተ መድረኻት ከተልዕሎ ምዃና ገሊጻ ነይራ። ነዚ መሰረት ብምግባር ድማ ኣብ መፋርቕ ናይ ወርሒ ሚያዝያ፡ ኣብተን ምስፍሕፋሕ ለበዳ ኮሮና ዝቐነሰለን ቦታታት፡ ቀዳማይ መድረኽ ምፍኳስ ቀይዲታት ኮሮና ጀሚራ ነይራ። ኣብ ዕለት 27 ግንቦት ድማ ካልኣይ መድረኽ ክትጅምር እያ። ኣብቲ እዋን፡ ሰባት ክራኸቡ፡ ባራት ክሳብ ፍርቂ ለይቲ ክኽፈቱ ምዃኖም ቀድመይቲ ሚኒስተር ኖርወይ፡ ኤርና ሶልበሪ፡ ኣብ ዘካየደቶ ጋዜጣዊ ዋዕላ ገሊጻ ክብል ማዕከን ዜና ተተ ኣቃሊሑ።