ዜና ሃይማኖታዊ መጻሕፍቲ ክቃጸል ዝጽውዑ ሕቶታት ይብርክቱ። Khaled Abdu July 31, 2023 Credit: Oscar Olsson/TT, Mickan Palmqvist/TT ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ቅዳሓት ቁርኣን ዝቃጸለሉ ተቓውሞታት ንምክያድ ዝደልዩ ሓያሎ ሕቶታት ከም ዝበጽሖም ፖሊስ ስቶክሆልምገሊጾም። ብዘይካዚ ኣብ ስቶክሆልም ኣብ ኣፍደገ ቤተክርስትያን መጽሓፍ ቅዱስን መዝሙርን ከቃጽል ዝደሊ ሰብ ዘእትዎ ናይፍቓድ መመልክቲ ከም ዝበጽሖ ፖሊስ ስቶክሆልም ወሲኹ ሓቢሩ። ኣብ ምዕራብ ሽወደን ዝርከቡ ፖሊስ፡ ተመሳስሊ ክልተ ሕቶበጺሕዎም ኣሎ። እቲ ሓደ መጽሓፍ ቅዱስ ንምቅጻል ዝሓትት ፥ እቲ ሓደ ድማ ንቁርኣን ዝምልከት እዩ።እዚ ከምዚ’ሉ እንከሎ፡ ብዓርቢ ኣብ ኣፍደገ ኤምባሲ እስራኤል ኣብ ዝተኻየደ ሰልፊ ተቓውሞ፡ ኦሪት ከቃጽል ሓቲታ ዝነበረት ጓልነቲ ተግባር ካብ ምፍጻም ምቚጣባ ተሓቢሩ። Continue Reading Previous: ብሰንኪ ምቅጻል ቁርኣን ሕጊታት ሓሳብካ ምግላጽ ምትዕርራይ ክግበረሉ ጻውዒት ቀሪቡ።Next: “ብምኽንያት ምውሳኽ ደረት ደሞዝ ዝወሓደ ሕቶ ፍቓድ ስራሕ ክግበር ትጽቢት ኣሎ”–ኤጀንሲ ኢሚግሬሽን። Related Stories ሃሪስ–“ትራምፕ ፋሺስታዊ እዩ” ዜና ሃሪስ–“ትራምፕ ፋሺስታዊ እዩ” October 28, 2024 ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ጀርመን ባርቦክ ካብ መዝነታ ክትወርድ ጻውዒት ቀሪቡ ዜና ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ጀርመን ባርቦክ ካብ መዝነታ ክትወርድ ጻውዒት ቀሪቡ October 28, 2024 ኖርወይ፥ ሞት ዘስዕብ ወቕዒ ልቢ ይጎድል ዜና ኖርወይ፥ ሞት ዘስዕብ ወቕዒ ልቢ ይጎድል October 28, 2024