ሃንጋሪ፡ ካብ ዕለት 01 ነሓሰ፡ ሳልሳይ መድረኽ ክታበት ክትጅምር ምዃናን ሰራሕተኛታት ጥዕና ድማ ብግዴታ ክኽተቡ ምዃኖም ብመንገዲ ሚኒስተር ጥዕና፡ ቪክቶር ኦርባን፡ ገሊጻ ክብል ማዕከን ዜና ተተ ኣቃሊሑ።
ኣብ ሳልሳይ መድረኽ ክታበት፡ እንታይ ዓይነት ብልቃጥ ክታበት ክትጥቀም ከምዝኾነት፡ ብክኢላታት ጥዕና ዝውሰን እዩ ክብል፡ ኦርባን፡ ሓቢሩ።
ሃገረ ሃንጋሪ፡ 10 ሚልዮን ነበርቲ ዘለዋ ሃገር ኮይና፡ ቅልጡፍ መስርሕ ክታበት ካብ ዝኽተላ ሃገራት ኤውሮጳ እያ። ሃንጋሪ፡ እታ እንኮ ፍርያት ናይ ሩስያን ከምኡ ውን ናይ ቻይናን ዝኾኑ ክታበታት እትጥቀም ዘላ ኤውሮጳዊት ሃገር ምዃና ይፍለጥ። ከምኡ ውን ፍርያት ምዕራባውያን ሃገራት ዝኾነ ክታበታት ፋይዘር/ቢዮንቴክ፡ ሞደርናን ኣስትራዘነካን ውን ኣብ ጥቕሚ ከምዘውዓለት፡ ሮይተርስ፡ ሓቢሩ።
ኣብ ሃንጋሪ፡ 5.6 ሚልዮን ህዝቢ ከምዝተኸትቡን 30 ሽሕ ዝኾኑ ድማ ብሕማም ኮቪድ-19 ከምዝሞቱን፡ ጸብጻባት ሚኒስትሪ ጥዕና እታ ሃገር ይሕብሩ።