ኣብ ሽወደን ኣባላት ናይቲ LGBTQ ተባሂሉ ዝጽዋዕ ጾታዊ ምርጫ ዝኾኑ ግረሰዶማውያን መንእሰያት ኣብተን ኣዝዩ ጽንኲር መዐቀኒታት ”ክብሪ” ዝኽተላ ስድራቤታት ርኡይ ሓደጋታት ከምዘጋጥሞም ሓድሽ ጸብጻብ ኣመልኪቱ። ገለ ካብዚ ን ግብረሰዶማውያን ኣጋጢምዎም ዝበሃል ሽግራት ብሳይንስ ዝተነጽገ ግዱድ መስርሕ ፍወሳ፡ ወይ’ውን ካብ ግብረሰዶም ንምእላይ ዝዓለመ ሃይማኖታዊ ስርዓታት ክኽተሉ ምግዳድ ዘጠቓልል እዩ። “ብዙሓት ሕቡእ ናይ ግብረሰዶም ህይወት ከሕልፉ እዮም ዝመርጹ፣ ብዙሓት ካብቶም ዝራኸብናዮም ሰባት ድማ ብሰንኪ እዚ ጽንኲር ስርዓት ስድራቤቶም ኣደዳ ብርቱዕ ጭንቀት ኮይኖም ኣለዉ” ትብል ኣብ ኤጀንሲ መንእሰያትን ሲቪል ማሕበራትን ሽወደን ተንታኒት ከምኡ’ውን ኣዳላዊት እቲ ጸብጻብ ኣና በርግሉንድ ።