ቤት ጽሕፈት ስታቲስቲክስ ኖርወይ SSB ትማሊ ሰሉስ ኣብ ዘውጽኦ ጸብጻብ፡ ዋጋታት ብሓፈሻ ካብ ዝሓለፈ ዓመት መስከረም ብ 2.6% ከምዝወሰኸ ገሊጹ። ዋጋታት መግቢ ብተወሳኺ 4.5% ክውስኽ እንከሎ፡ ካብ ነሓሰ ግን ቁሩብ ዝሓሰረ እይ ተባሂሉ’ሎ። ንኣብነት ብሮኮሊ ሕጂ ብትሑት ዋጋ 14 ክሮና (ብናይ ሕጂ ሸርፊ 1.29 ዶላር) ክዕደግ ይኽእል እዩ፡ እዚ ድማ ካብቲ ዝሓለፈ ክረምቲ ብኣስታት 30 ሳናቶም ዝሓስር እዩ። ብሓፈሻ ዕብየት ዋጋታት ኣብዚ እዋን እዚ ካብ ዓሚ ዝነበረ ዳርጋ ብፍርቂ ጎዲሉ’ሎ። ብዘይካዚ ናብቲ ማእከላይ ባንክ ዝሓንጸጾ ሸቶ ዋጋታት ኣባይቲ–ማለት 2% እናቐረበ ይጎድል ኣሎ፡፡ እዚ ድማ ናብ ምንካይ ወለድ ክወስድ ይኽእል እዩ ተባሂሉ’ሎ።
ብኻልእ ዜና—10 መንእሰያት ፍልስጤማውያን ዝሓቖፈ ጉጅለ ኣብ ኖርወይ ናይ ሕክምና ትምህርቶም ንምዝዛም ደገፍ ረኺቦም፡፡ ድሕሪ’ቲ ኣብ ቓዛ ዝተኻየደ ኲናት ትምህርቶም ኣቋሪጾም ዝጸንሑ እዞም መንእሰያት ሕጂ ናይ ሕክምና ትምህርቶም ክቕጽሉ ክኽእሉ እዮም። ሕጂ ኣብ ኦስሎ፡ ካብ ኣባላት ማሕበር ሰራሕተኛታት ኦስሎ ነጻ ናይ ከባቢ መጓዓዝያ ክጥቀሙ ፍቓድ ተዋሂብዎም ኣሎ።