ሓደ ካብቶም ዝዓበዩ ሰንሰለታት ክንክን ስኒ ሽወደን፡ ሕክምና ዘይረአ ብሬስ ኣስናን ሓደ ሓደ ግዜ ከምዘይሰርሕን ኣስናን ሕሙማት ክጎድእ ከምዝኽእልን እናፈለጠ፡ ኣላይነር ዝስሙ እዚ ኣገባብ ብዓሰርተታት ኣሽሓት ክሮነር ይሸይጥ ኣሎ ተባሂሉ። ነዚ ዝሓበሩ ምስ ሬድዮ ሽወደን–ፒ ኣስሪ ኒውዝ ቃለምሕትት ዝገበሩ 14 ሕሙማትን 11 ሰራሕተኛታት ሰንሰለት ክንክን ስኒ ሃፒደንት ነበር እዮም። ኤግዞን ሓደ ካብዚኣቶም ኮይኑ፡ ኣስናኑ ድሕሪዚ ሕክምና ርኡይ ምስሓብ እኳ እንተገበረ እንተኽዕነ ግና ንውሽጢ እትው ብምባሉ ሓደ ሓደ ሳዕ መልሓሱ ይነክስ ምህላዉ ይዛረብ። ዋና ኣካያዲ ስራሕ ሃፒደንት ንፒ3 ኒውዝ ኣብ ዝለኣኾ ኢ-መይል፥ ኣብ ውልቃዊ ጉዳያት ርእይቶ ክህቡ እኳ ዝደልዩ እንተዘይኮኑ ተቖጻጻሪ ጥዕናን ማሕበራዊ ክንክንን ነቲ ትካል ክምርምሮ እዩ ዝብል ግምት ከም ዘለዎ ጽሒፉ’ሎ።