መንግስቲ ኣብ ልዕሊ ኤሌክትሪክ ዝሰርሓ ተሽከርከርቲ ዝለዓለ ግብሪ ንምኽፋል ዘቕረቦ እማመ እንተተግቢርዎ፡ ፊንላንድ ኣብ
ምንካይ ፈነወ በካሊ ትኪ ድሕሪት ክትተርፍ ከም እትኽእል ተመራመርቲ ትካል ቁጠባዊ ምርምር ቫትን ማእከል ብሉጽነት
ምርምር ስርዓታት ግብሪ ፊንላንድን (FIT) ኣጠንቂቖም። እቶም ተመራመርቲ፡ እቲ መንግስቲ ዘቕረቦ እማመ፡ ሃገራዊ ሸቶታት
ምንካይ ፈነወ በካሊ ጋዛት ክማላእ እንተኾይኑ፡ ፍርያት ተሽከርከርቲ ኤለትሪክ ብቕልጡፍ ክዓቢ ኣብ ዘለዎ ኩነታት፡ ተዛማዲ
ረብሓታት ኤሌክትሪክ ተሽከርከርቲ ከም ዝብሕጒጉ ይምጉቱ።
“እቲ ዝቐረበ ለውጢ ግብሪ፡ ንልምዓት መጓዓዝያ ካብቲ መብጽዓታት ሕብረት ኤውሮጳ ንምኽባር ዝድለ ብኣንጻሩ ኣንፈት
ክይመርሖ ዘስግእ እዩ” ክብሉ ጽሒፎም ኣለዉ። ካብ ዜናታት ኖርዲክ ከይወጻእና ፕረዚደንት ዩክሬን ቮሎዲሚር ዘለንስኪ
ዴንማርክ ንዩክሬን ካልእ ወተሃደራዊ ሓገዝ ንምሃብ ትዳሎ ከምዘላ ገሊጹ። በዚ ድማ ዘለንስኪ ንመበል 20 ግዜ ዝገበርዎ ሓገዝ
ኣመልኪቱ ንመንግስቲን ህዝብን ዴንማርክ ኣመስጊኑ።
ዘለንስኪ ኣብ መልእኽቱ “ኣተገባብራ ስምምዓትና፡ ከምኡ’ውን ዴንማርክ ንኢንዱስትሪ ምክልኻል ዩክሬን ዝገብሮ ዘሎ ገንዘባዊ
ደገፍ ኣዝየ እየ ዘድንቖ። ዴንማርክ ኣብ ዩክሬን ንፍርያት ኣጽዋር ንምምዋል እትገብሮ ዘላ ኣበርክቶ 215 ሚልዮን ዶላር ኣመሪካ
በጺሑ’ሎ። ንዴንማርክ – ህዝባን ባይቶኣ ኣዕዚዘ ከመስግን እደሊ” ኢሉ’ሎ።