ሕብረት ኤውሮጳ ኣብ ጒዳያት ፖሊሲ ወጻኢ ሓደ ዓይነት መርገጺ ክሕዝ ከምዘለዎ መብዛሕትኦም ኣብቲ ብፎረም ንግድን ፖሊሲን
ፊንላንድ (ኢቫ) ዝተኻየደ ሓድሽ መጽናዕቲ ክብርታትን ኣተሓሳስባታትን ርእይቶኦም ዝሃቡ ሰባት ገሊጾም። ዳርጋ ሰለስተ ርብዒ
ወይ 72% ካብቶም መልሲ ዝሃቡ ሰባት፡ እቲ 27 ሃገራት ዝሓቖፈ ውድብ ኣብ መድረኽ ዓለም ተኣማንነቱ ንምዕባይ ኣብ ፖሊሲ
ወጻኢ ሓደ ዓይነት መርገጺ ክሕዝ ከምዘለዎ ሓሳቦም ሂቦም። 6% ካብቶም መልሲ ዝሃቡ ሰባት ጥራይ እዮም፡ እቲ ማሕበር
ተኣማንነቱ ንምዕባይ ዝያዳ ሓደ ዓይነት መርገጺ ፖሊሲ ወጻኢ ከምዘየድልዮ ገሊጾም ዘለዉ። ኢቫ እቲ ዳህሳስ ኣብ ሕብረት ኤውሮጳ
ኣብ ውሳነታት ፖሊሲ ወጻኢን ጸጥታውን ጸገማት ከምዘሎ ህዝቢ እናፈለጠ ከምዝኸይድ ዘመልክት ምዃኑ ትንታነኣ ሂባ’ላ። ኣብ
ዓውድታት ፖሊሲ ዝያዳ ውሁድ መርገጺ ንምምዝጋብ፡ ብተግባር ካብ ብሓደ ድምጺ ዝተመርኮሰ ናብ ቀሊል ወይ ልዕሊ ብዙሓት
ዝተመርኮሰ ውሳነ ምሃብ ከምዘድሊ ድማ ተኣሚኑ። ልዕሊ ፍርቂ 56% ካብቶም ኣብቲ መጽናዕቲ ዝተሳተፉ ሰባት፡ ናብ ውሳነታት
ዝበዝሐ ድምጺ ንምስግጋርን መሰል ቬቶ ውልቀ-ኣባላት ሃገራት ምድራት ኣብ ዝብል ደገፎም ኣስሚዖም። ኣስታት 17% ካብቶም
መልሲ ዝሃቡ ሰባት ነቲ ሓሳብ ተቓውሞኦም ገሊጾም።
“ምስ ውሳነ ሕብረት ኤውሮጳ ዝተኣሳሰሩ ኣርእስታት ኣጸጋሚ ምዃኖም ዘርኢ ሓደ ምልክት ልዕሊ 27% ኣብቲ እማመ ርእይቶ
ዘይምሃቦም እዩ። እቲ ሕቶ ብዓንደርእሱ፡ እቲ ምዝውዋር ፖሊሲ ጒዳያት ወጻኢ ኣብ ውሳነታት ዝበዝሐ ድምጺ ጥራይ ብዘይድርት
መንገዲ ከምዝተቐረጸ’ውን ኣብ ግምት ከእቱ ይግባእ” ክብል ኣሰናዳኢ ኢቫ ሳሚ ሜተሊንን ጽሒፉ።
“ኣብ ሕብረት ኤውሮጳ፡ ውሳነ ንምሃብ ዝድለ ናይ ምሉእ ድምጺ ጠለብ፡ ኣብ ውሳነታት ግብሪ’ውን ይውዕል እዩ” ኢሉ’ሎ።
ፊንላንድ ኣብ 1995 ናብ ሕብረት ኤውሮጳ ካብ እትጽንበር ንደሓር፥ ንዝሓለፉ ክልተ ዓመታት ኣብ ፊንላንድ ዝድግፍ ኣረኣእያታት
ሕብረት ኤውሮጳ ካብ ዝኾነ እዋን ንላዕሊ ኣብ ዝለዓለ ደረጃ ከምዝጸንሐ ብኢቫ ዝተገብረ መጽናዕቲ ይሕብር። ዳርጋ ክልተ ሲሶ
ወይ 65% ካብቶም መልሲ ዝሃቡ ሰባት፡ ኣወንታዊ ኣረኣእያ ከም ዘለዎም፡ 15% ድማ ብዛዕባ ኣባልነት ኣሉታዊ ኣረኣእያ ከም
ዘለዎም ገሊጾም ኣለዉ። ዳርጋ 19% ካብቶም መልሲ ዝሃቡ ሰባት፡ ብዛዕባ ኣባልነት ገለልተኛ ኣረኣእያ ከምዘለዎም እዮም
ዝገልጹ።
“ሕብረት ኤውሮጳ ዝድግፍ ኣረኣእያታት ካብ ቅድሚ ሕጂ ብዝያዳ ብግልጺ ምኽንያት ይንጸባረቕ ኣሎ። እዚ ሓድሽ ምውሳኽ ርእይቶ
ኣብ ጽድያ 2022 ሩስያ ኣብ ልዕሊ ዩክሬን ሰፊሕ ወራር ድሕሪ ምጅማራ እዩ ክረአ ጀሚሩ” ክብል ሜተሊንን ጽሒፉ።
ከምዚ ዓይነት ኣረኣእያ ዓሚ ቀውዒ ኣብ ዝለዓለ ጥርዙ ( 68%) ነይሩ። ብዛዕባ ኣባልነት ኔቶ ኣብ ፊንላንድ ዘሎ ርእይቶ
ብተመሳሳሊ ኣወንታዊ ኮይኑ፡ 76% ካብቶም መልሲ ዝሃቡ ሰባት ነቲ ኣባልነት ብኣወንታ ከምዝርእይዎ ገሊጾም። 9% ካብቶም
መልሲ ዝሃቡ ሰባት ኣሉታዊ ኣረኣእያ ክህልዎም ከሎ፡ 14% ድማ ብዛዕባ ኣባልነት ኪዳን ምክልኻል ገለልተኛ ኣረኣእያ
ኣንጸባሪቖም እዮም። እቲ መጽናዕቲ፡ 2,087 ሰባት ዘሳተፈ ኮይኑ፥ ነቲ “ብታሎስ ቱትኪሙስ” ኣብ 13–21 መጋቢት ዝተዳለወ
ናይ ኦንላይን ፓነል ዝሃብዎ መልሲ ዝተመርኮሰ እዩ። እቲ ውጽኢት ካብ ክልተ ክሳብ ሰለስተ ሚእታዊት ናይ ጌጋ ፍልልይ ኣለዎ—
ብመሰረት ጸብጻብ “ሄልሲንኪ ታይምስ”።