ሽወደናዊት ደሴት ዩትላንድ ኣብዚ ወርሒ’ዚ ዝክር ስደተኛታት ኣካዪዳ። እቲ ዝክር እናገስገሱ ይመጹ ካብ ዝነበሩ ሓይላት ሕብረት ሶቪዬት ንምህዳም ቅድሚ 80 ዓመታት ካብ ስግር ባሕሪ ባልቲክ ናብታ ደሴት ዝመጹ ብዙሓት ስደተኛታት ንምጽንባል ዝዓለመ እዩ። ኣብ ውሽጢ ሒደት ሰሙናት 11,000 ሰባት ናብታ ደሴት ውሒዞም እዮም። እዞም ስድተኛታት ብዙሓት ቋንቋ ሽወደን ዝዛረቡ ኢስቶንያውያን ዘጠቓልሉ ኮይኖም፡ ብዙሓት ዮትላንዳውያን ድማ ኣብ ሓጺር ግዜ ንስደተኛታት ምእላይ ክላመዱ ጌሮም እዮም። ሎሚ፡ ነቲ ዘጋጠመ ዘዘኻኽር ምልክታት ኣብ መላእ እታ ደሴት ክርከብ ይኽእል እዩ ትብል ሪና ኑዳፔራ፡፡ ንሳ ኣብዚ ሕጂ እዋን ናይ ክብሪ ቆንስል ኢስቶንያ ኣብ ጎትላንድ ኮይና፡ ኣቡኣ ብሓንቲ ካብተን ጀላቡ ስደተኛ ኮይኑ ናብ ደሴት ምምጽኡ ዘኪራ’ላ።