ዩክሬን ናብ ዞባ ኩርስክ ሩስያ ኣብ እትግስግሰሉ ዘላ ኣብዚ ሕጂ እዋን፡ ኣብ ውሽጢ ሰሙን ካልኣይ ስትራተጂካዊ ድልድል ሩስያ ከምዘዕነወት ገሊጻ። ወተሃደራዊ ሓይሊ ዩክሬን ትማሊ ሰንበት ኣብ ልዕሊ ኣብ ሩባ ሳይም ኣብ ልዕሊ ዝርከብ ድልድል መጥቃዕቲ ከምዝተፈጸመ ዝግለጽ ሓበሬታ ተንቀሳቓሲ ስእሊ ኣውጺኡ’ሎ። ድሕሪ ሒደት ሰዓታት፡ ፕረዚደንት ዩክሬን ቮሎዲሚር ዘለንስኪ፡ ዕላማታት ወተሃደራዊ ወራር ናብ ኩርስክ፡ መጥቃዕቲ ሩስያ ደው ንምባል “መከላኸሊ ዞባ” ምፍጣር ዘጠቓልል ምዃኑ ንመጀመርታ ግዜ ገሊጹ’ሎ።
ዩክሬን፥ ሞስኮ ኣብ 2022 ኣብ ልዕሊኣ ወራር ካብ እትጅምር ንደሓር ኣብ ልዕሊ መሬት ሩስያ ዝዓበየ መጥቃዕቲ ካብ እትፍኑ ዳርጋ ክልተ ሰሙን ጌራ’ላ። ኣዛዚ ሓይሊ ኣየር ዩክሬን ሌተናል ጀነራል ማይኮላ ኦለስቹክ፡ “ሓደ ተወሳኺ ድልድል ደምሲስናለና” ክብል ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታት ምስ ተንቀሳቓሲ ስኢሉ ለጢፉ’ሎ። ጀነራል ኦለስቹክ ወሲኹ፡ “ሓይሊ ኣየር ዩክሬን ንጸላኢ ብፈትሊ በተኽ መጥቃዕቲ ኣየር ሎጂስቲካዊ ዓቕሙ እናደምሰሰ ምሕላፍ ይቕጽል ኣሎ፡ እዚ ድማ ንመስርሕ ተጻብኦታት ብዓቢኡ ክጸልዎ እዩ” ኢሉ።
እቲ ቪድዮ ኣብ ልዕሊ እቲ ድልድል ገዚፍ ደባና ትኪ ቦሎኽ እናበለ ዘርኢ ኮይኑ፡ ሓደ ካብ ክፋላቱ ዝዓነወ ይመስል። እቲ መጥቃዕቲ መዓስ ከምዝተፈጸመ ንጹር ኣይኮነን። ኣብ መጀመርታ ናይዚ ሰሙን ዩክሬን ኣብ ጥቓ ከተማ ግሉሽኮቮ ኣብ ልዕሊ ሩባ ሰይም ዝርከብ ካልእ ድልድል ምዕናዋ ዝፍለጥ እዩ። እቲ ድልድል ሩስያ ወተሃደራቱ ንምትሕልላፍ እያ ትጥቀመሉ ነይራ። ኣቐዲሞም ወተሃደራዊ ተንተንቲ ኣብቲ ሩስያ ሓይልታታ ንምቕራብ እትጥቀመሉ ከባቢ ሰለስተ ድልድላት ኣለልዮም ከምዝነበሩን፡ ክልተ ድማ ከምዝዓነዉ ወይ ድማ ከቢድ ጉድኣት ከምዝበጽሖምን ገሊጾም ክብል ማዕከን ዜና ሮይተርስ ሓቢሩ። ወተሃደራት ዩክሬን ዶብ ሰጊሮም ናብ ሩስያ ካብ ዝደፍኡ ዳርጋ ክልተ ሰሙን ክጸንሑ መደብ ከምዘለዎም ንጹር እናኾነ ይመጽእ ኣሎ ። ፕረዚደንት ዘለንስኪ ትማሊ ሰንበት ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ ሰራዊቱ ኣብ ኩርስክ ትሕዞኦም የሐይሉ ከምዘለዉን ኣብ መሬት ሩስያ ድማ ዝያዳ ይኣትዉ ከምዘለዉን ገሊጹ እዩ። ንሱ ትማሊ ሰንበት ምሸት ኣብ ዝሃቦ መደረ፡ “ኣብ ዞባ ኩርስክ እንገብሮ ስርሒት ኣብ ልዕሊ ሰራዊት ሩስያን መንግስቲ ሩስያን፡ ኢንዱስትሪ ምክልኻሎምን ቁጠባኦምን ከቢድ ክሳራታት የስዕብ ኣሎ” ኢሉ።
“ዩክሬን ካብ ምክልኻል ናብ ምጥቃዕ ተሰጋጊራ እያ” ዝበለ ዘለስንኪ፡ እቲ ዕላማ “ብዝተኻእለ መጠን ዓቕሚ ኲናት ሩስያ ንምጥፋእን ዝለዓለ ጸረ-መጥቃዕቲ ስጉምትታት ንምክያድን” ምዃኑ ገሊጹ። እዚ ድማ “ኣብ መሬት ሩስያ ናይ ምክልኻል ነቚጣ ንምፍጣር” ዘጠቓልል ምዃኑ ወሲኹ ገሊጹ። ኣማኻሪ ፕረዚደንት ዘለንስኪ ሚካይሎ ፖዶልያክ፡ ዩክሬን ንሩስያ ክትሕዛ ከምዘይትደሊ፡ ንሩስያ ግን ናብ ልዝብ ከተእትዋ ከምዝደለየት ኣስሚሩሉ። ሞስኮ ነቲ ወራር ዓቢ ምትንዃይ ኢላ ድሕሪ ምግላጽ፡ ሕነ ክትፈዲን “ብቑዕ ምላሽ” ክትህብ ምዃና ቃል ኣትያ’ላ። ዩክሬን ናብ ምዕራባዊ መሬት ሩስያ ኣብ እትሰጋገረሉ ዘላ እዋን፡ ሓይልታት ሩስያ ኣብ ምብራቕ ዩክሬን ብተመጣጣኒ ዓወት ይረኽቡ ከምዘለዉን፡ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙናት ብዙሓት ዓድታት ከምዝሓዙን ቢቢሲ ኣተሓሒዛ ጸብጺባ’ላ።