ምምሕዳር ከተማ ዮተቦሪን ፖሊስን ንገለ ክፋል እታ ከተማ ካብቲ ”ተኣፈፈቲ ከባቢታት” ዝበሃል ዝርዝር ንኽእለ ተበግሶ ይወስድ ኣሎ። ብቋንቋ ሽወደን ”utsatta område” ተባሂሎም ዝፍለጡ ተኣፈፍቲ ከባቢታት፡ ፖሊስ ገበነኛታት ኣብ ሕብረተሰብ ብዙሕ ኣሉታዊ ጽልዋ የሕድሩሎም ኣለዉ ካብ ማሕበረ-ቁጠባ ኸኣ ዝተሓረሙ ኢሎም ዝገልጽዎም ቦታታት እዮም። ኣብዚ ሕጂ እዋን ኣብ ከተማ ዮተቦሪ ሸሞንተ ተቓላዕቲ ከባቢታት ኣለው። ካብዚኦም እቶም ኣርባዕተ ብፍላይ ተነቀፍቲ ተባሂሎም ተለልዮም ኣለዉ።
”ብቐዳምነት ክንገብሮ ዝግብኣና ሕድሕድ ምፍልላይ ምቕናስ እዩ፣ ምኽንያቱ ከተማና ኣዝያ ዝተኸፋፈለት እያ” ይብል ኣባል ሰልፊ ዴሞክራትና ከምኡውን ከንቲባ ከተማ ዮተቦሪ ዮናስ ኣቴኒየስ። ብኻልእ ዜና ኣብ ምዕሻግ መኪና መቕጻዕቲ ዝኸፍሉ ዜጋታት ወጻኢ ዝወሓዱ ምዃኖም፥ ሕጂ ግና ኣብዚ ኣሰራርሓ ለውጢ ይግበር ምህላዉ ተሓቢሩ። መብዛሕትኦም ኣብ ሽወደን ዘለዉ ወጻእተኛታት በጻሕቲ፡ ኣብ ወቕቲ ሓጋይ ናይ መዐሸጊ መካይን ሞልታ ኣብ ምኽፋል ሸለልትነት የርእዩ ምህላዎም እዩ ዝግለጽ ዘሎ። ብምኽንያት እዚ ተርእዮ ምምሕዳራት ከተማ በብዓመቱ ሚልዮናት ክሮና ይኸስራ ኣለዋ። ኤጀንሲ መጓዓዝያ ሽወደን ኣብ ወጻኢ ንዝርከቡ ወነንቲ ተሽከርከርቲ ዘረኻኽበሉ መንገዲ ስለዘይብሉ፥ እዚ ኲነታት ንዓመታት ክቕጽል ምኽንያት ምዃኑ ሕጂ ግና ለውጢ ኣብ ድርኩዂት ምህላዉ ኣገልግሎት ዜና ሬድዮ ሽወደን ጸብጺቡ’ሎ።