ኣብ ዮተቦሪ ቊጽሪ በጻሕቲ ዝልዕለሉ ወቕቲ ሳመርኳ እንተኾነ፡ ዓበይቲ ኮንሰርታት ይካየዱ ዘይምህላዎም ምስ ዓሚ ብምውድዳር
ቁጽሪ በጻሕቲ ምጒዳል ኣርእዩ ምህላዉ። ይኹን እምበር ኣብ መላእ ሽወደን ብሓፈሻ ቱሪዝም ናብቲ ቅድሚ ለበዳ ዝተራእየ ደረጃ
ተመሊሱ’ሎ።
“ናይ ዝሓለፈ ዓመት ናይ ኮንሰርት ግዜ ኣውጺእካ፡ ሎሚ ዓመት ናብ ዮተቦሪ ዝያዳ ሰባት መጺኦምና’ለዉ” ክብል ኣካያዲ
ፍጻመታትን ምክትል ፕረዚደንት ትካል ቱሪዝም ዮተቦሪ ኤንድ ኮማግኑስ ሃልበርግ ገሊጹ’ሎ።
ካብ ውዕዉዕ ኲነታት ወቕቲ ሳመር ከይወጻእና፥ ምስ ምውዳእ እዚ ወቕቲ ኣብዚ ሰሙን ብዙሓት ቆልዑ ናብ ቤት ትምህርቲ
ይምለሱ፥ ሰዓታቶም ከኣ ኣንጊሀን ክተንስኣኦም ይገብሩ’ለዉ፡፡ ኣብ ሽወደን ኣብ ወቕቲ ሳመር ዝህሉ ዕረፍቲ ተመሃሮ ኣብ
መወዳእታኡ በጺሑ’ሎ። ሎሚ ኣብ ከባቢ ስቶክሆልም፡ ተማሃሮን ወለዶምን ናብ ቀጽሪ ቤት ትምህርቲ፡ ከምኡ’ውን ናብ
መዓልታዊ ልምዶም ክምለሱ ይረኣዩ’ለዉ። ዳኒኤል ፋቫ ጓሉ ካብታ ቀዳመይቲ መዓልቲ ኣብ ቤት ትምህርቲ ክሳብ ትምለስ ይጽበያ
ምህላዉ፥ ክትኣቱ ከላ ድማ መማህርታን መሓዙታን ደጊማ ብምርካባ ”ኣዝዩ ውዕዉዕ ስምዒት ከም ዝነበራ” ከም ዝነበራ
ይዛረብ። ብዙሓት ተመሃሮ ናብ ትምህርቲ ምምላሶም ሓጎስ ከም እተሰምዖም ን ሬድዮ ሽወደን ገሊጾም ኣለዉ።