መንግስቲ ኣብ ሽወደን ዘለዉ ስደተኛታት ኣመልኪቱ እተተኽለ ኮርስ ቋንቋ ኤስ.ኤፍ.ኣይ ዝወሃበሉ ኣገባብ ዳግማይ መርመራ ክገብረሉ ከም ዝደሊ ተፈሊጡ። እቶም ዝቐረቡ ለውጥታት ኣብ መሰረታዊ ንባብን ምጽሓፍን ከምኡ’ውን ዝያዳ ውልቃዊ ኮርሳት ዝያዳ ኣተኲሮ ክግበርን ካልእን ዘጠቓልል እዩ። ዳርጋ ፍርቂ ካብቶም ብነጻ ኣብ ዝወሃብ ናይ SFI ኮርስ ዝጅምሩ፡ ከምዘይውድእዎ ነቲ ኮርስ ኣመልኪቶም ዝወጹ ኣሃዛት ይሕብሩ። ብኻልእ ዜና ዓሚ መንግስቲ ኣባላት ጕጅለታት ካብ ገበናዊ ህይወት ንኽወጹ ዝሕግዝ 72.5 ሚልዮን ክሮና መዲቡ ምንባሩ ተሓቢሩ። ካብ ኣገልግሎት ዜና ሬድዮ ሽወደን ዝተገብረ መርመራ ከም ዘመልክቶ፡ እዚ ገንዘብ ካብ ኣርባዕተ ምስ ፖሊስ ዝራኸቡ ሰባት ሓደ ጥራይ ካብዚ ጕጅለታት ኽወጽእ ከም ዝሓገዘ ይሕብር። እዚ እናኾነ ዋና ተቖጻጻሪን ክኢላን ጕጅለታት ገበን ጉናር ኣፐልግረን ነዚ ብስሉጥ ንምክዋን ዝያዳ ምወላ ከምዘድሊ ገሊጹ’ሎ። ኣብዚ ዓመት ኣብ ወቕቲ ሳመር ንስራሕ ዝግበር ውድድር ካብ ዝኾነ እዋን ብዝለዓለ ዝኸበደ ምዃኑ ተገሊጹ፡፡ ምኽንያቱ ድማ ኣብዚ ዓመት ዕድሜኦም ኣብ መንጎ 15 ክሳብ 24 ዓመት ዝኾኑን ስራሕ ኣልቦ ኮይኖም ተመዝጊቦም ኣለዉን ብቚጽሩ ዝበዝሑ እዮም። ማዕረ ማዕሪኡ፡ ዋላ’ኳ ቁጠባ ምዝሕታል የርኢ እንተሎ፡ ኣብ ሓያሎ ዓውድታት ዓቕሚ ሰብ ዝጠልቡ ብዙሓት ስራሓት ምህላዎም እዩ ዝግለጽ ። ፕላትስባንከን ዝተባህለ ኦንላይናዊ ቡለቲን መወዓውዒ ስራሕ ትካል መንግስታዊ ኣገልግሎት ኣብዚ እዋን ዚ ኣስታት 43 ክፉት ቦታታት ስራሕ ዘርዚሩ’ሎ።