ኣብ ሽወደን ሽቕለት ኣልቦነት እናወሰኸ እኳ እንተመጸ፡ ቁጽሪ ናይተን ካብ ኮሙናት ማሕበራዊ ሓገዝ ዝረኽባ ስድራቤታት ይንኪ ከምዘሎ ማሕበር ምምሕዳራት ከባቢን ዞባታትን ሽወደን ሳላር ይሕብር። ማሕበራዊ ሓገዝ ነተን ንነብሰን ወይ ንስድራቤተን ክድግፋ ዘይክእላ ናይ መወዳእታ መርበብ ድሕነት እዩ። ኣብ ወርሒ ግንቦት 87 ሽሕ ስድራቤታት ነቲ ናይ ሓጺር ግዜ ገንዘባዊ ደገፍ ካብ ኮሙኖም ተቐቢሎም። ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ኣብ ተመሳሳሊ ወርሒ 90 ሽሕ ስድራቤታት ደገፍ ከምዝረኸባ ሳላር ይሕብር