ኣብ ዝመጽእ ዓመት መንግስቲ መን ግብሪ ኣታዊ ክኸፍል ከም ዘለዎ ዝውስን መቓን ከልዕሎ ምዃኑ ሬድዮ ሽወደን ሓቢሩ። ናይ
ሎሚ ደረት ግብሪ ኣታዊ መንግስቲ ወርሓዊ ልዕሊ 51,275 ክሮና ዝረኽቡ ሰባት ዝኽፈል ኮይኑ፡ ኣብ ዝመጽእ ወርሒ ባጀት
2025 ግን እቲ ገደብ ናብ 53,590 ክሮና ክብ ክብል እዩ። እቲ ደረጃ መብዛሕትኡ ግዜ ዓመትመጸ ዝመሓየሽ ኮይኑ፡ መንግስትን
ሰልፊ ዲሞክራሲ ሽወደንን ግን ዝሓለፈ ዓመት ብሰንኪ ዝቕባበ ዋጋ እዚ ኣሰራርሓ ክቋረጽ ጌሮም ምንባሮም ሬድዮ ሽወደን
ዘኪራ’ላ።